Friday , April 26 2024
SOCIAL MEDIA/TT

ኣብ ታይዋን ብሓደጋ ባቡር ብዙሓት ሞይቶም

ኣብቲ ኣብ ታይዋን ዘጋጠመ ሓደጋ ባቡር፡ ብውሑዱ 18 ሰባት ኪሞቱ ኸለዉ፡ 160 ድማ ተጎዲኦም።

366 ሰባት ኣብታ ባቡር ነይሮም፡ 30 ዝኾኑ ድማ ጌና ኣብታ ካብ መስመራ ወጺኣ እተገልበጠት ባቡር ተዓቢጦም ኣለዉ።

“ኩሉ ዝከኣለና ክንገብር ኢና” ይብል ፕረሲደንት ታይዋን ሳይ ኢንግ ወን ኣብ ፈይስቡክ።

እቲ ሓደጋ ኣብታ ዪላን እትብሃል ኣብ ምስራቓዊ ርእሰከተማ ታይፐይ እትርከብ ከተማ፡ ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ እዩ ተፈጺሙ። ኣብኡ ዘሎ መስመራት ባቡር፡ ብቱሪስት እዩ ዚዝውተር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com