Saturday , April 27 2024
Adam Wrafter/SvD/TT

ኣገዳሲ ሓበሬታ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሚግረሽን ስዊድን ጉዳይ ንዘለኩም

ቤት ጽሕፈት ሚግረሽን ብዘተኣታትዎ ናይ ኣሰራርሓ ኣገባብ መሰረት ጉዳይኩም ኣቅሪብኩም መልሲ ከይተዋሃበኩም  ካብ ሽድሽተ ወርሒ እንተ ሓሊፉ ጉዳይኩም ንኺውሰነልኩም ንምሕታት  (Begäran om att avgöra ärende/ ጉዳይ ንኽፍጸመልካ መሕተቲ )ነዚ ፎርም’ዚ ተጠቐሙ።

እዚ ዕድል እዚ ሓንሳብ ጥራሕ ዝወሃብ እዩ። ሚግረሽን ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ሰሙናት ነቲ ጉዳይ ኪቕበሎ ወይ ኪነጽጎ እዩ። ሚግረሽን ነቲ ጉዳይ እናረኣዮ ኸሎ ኢኹም መጠየቕታኹም ወይ ማመልከቻኹም እተቕርቡ። እቲ ሕቶኹም ነቶም ጉዳዮም ኣብ ሚግረሽን ዚረአ ዘሎ ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ደቅኹም እውን ይምልከት ወይ ይጥርንፍ እዩ።

ወኪል ምስ እትኹኑ ናይ ውክልና ስልጣን ከተቕርቡ ይግባእ።

ነቲ ፎርም ወይ ድማ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብዚ መላግቦ ርኸቡ    ።  https://www.migrationsverket.se/download/18.1ef19f6e163f45d340aa51/1531145027494/270011%20Beg%C3%A4ran%20om%20att%20avg%C3%B6ra%20%C3%A4rende_sv.pdf

ነቲ ኣብ ኮምፕዩተር ዘሎ ፎርም ምልኣዎ፡ ከምዚ ብምግባርኩም ድማ ንዓና ስራሕ ይቐለልና። እቲ ዝመልአን ዝተፈረመን ፎርም፡ ስካን ጌርኩም ናብ  migrationsverket@migrationsverket.se  ለኣኽዎ። ወይ ከኣ ብፖስታ ጌርኩም ናብዚ ኣድራሻዚ ስደድዎ፥ Migrationsverket, 601 70 Norrköping።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com