Saturday , April 27 2024
BENGT O NORDIN BON/TT

ካብ ኣብ ቤትትምህርቲ፡ ኣብ ገዛ ኪውዕሉ ዚመርጹ ተማሃሮ

ኣብ ኤስኪልቱና መባእታዊ ቤትትህርቲ 400 ተማሃሮ ትምህርቲ ኣብኵሮም። ስለዚ እቲ ኮሙን ነቲ ጸገም ብዕቱብ መገዲ ይርእዮ ኣሎ።

ኤማ ላሾን ቅድሚ ሕጂ ኣብቲ ናይ ኤስኪልቱና ፍሪቲድስሁስ መራሒት ፕሮጀክት ኮይና ሰሪሓ እያ። ኣብኡ ንገለ ተማሃሮ ኣዘራሪባ። ንሳቶም ከም ዚብሉ፡ እቲ ጸገም ኣብ መለስተኛን ኣብ 2ይ ደረጃን እዩ ጀሚሩ። ግን ኣነ ዝገርመኒ ከመይ ኢሎም ክንድዚ ዝኣኽሉ ተመሃሮ ካብ ትምህርቲ የብክሩ፡ ትምህርቲ ግዴታ ምዃኑ እናፈለጡ፡ ትብል ኤማ ላሾን።

ናይ ኤስኪልስቱና ኮሙን እቲ ኣብ መባእታዊ ቤትትምህርቲ ዚካየድ ዘሎ ብኩራት ዓሚ ከም እተጀመረ ይሕብር።

ሕጂ ግን ሓደ ጉጅለ ነቶም ኣብ ገዛውቶም ኮፍ ኢሎም ዚውዕሉ ተመሃሮ ንምርካብን ንምዝርራብን ይፍትን ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com