Friday , April 26 2024
Bild: Röda korset hemsidan

ግዜያዊ ሕጊ ወጻእተኛታትን፡ ሳዕቤኑን

ስድራቤት ዝኣኻኽብ መሰል ብ2016 ተደሪቱ። ብዙሓት ቤተሰቦም ከይርኣዩ ሰለስተ ዓመታት ተጸቢዮም። ሕጂ ናይቲ ሕጊ ሳዕቤን ይረአ ኣሎ። ሓድሽ ጸብጻብና፡ ናይቶም ግዳያት ሓፈሻዊ ጭንቀት ኣእምሮ የርኢ።

ቀዪሕ መስቀል፡ እቲ ሕጊ ኣብ ግብሪ ምስ ወዓለ ድሕሪ ክልተ ዓመታት ምርመራ ኣካዪዱ። ነዚ ድማ ብመገዲ’ቲ እተዋህበ ብዪን፡ ብመገዲ ምስ ግዳያትን ምስ ተወከልቲ ኣብያተጽሕፈት እተገብረ ቃለምልልስ፡ ብፍላይ ድማ ምስ ሚግረሽን፡ ኣካዪድናዮ።

ብተወሳኺ እቲ ጸብጻብ፡ ነቲ ምስ ወለንታውያን ኣባላት ቀዪሕ መስቀል፡ ምስ ክኢላታት ስነ-ልቦና፡ ምስቲ ንግድያት ውግእን ግፍዕን ዚምርምር ክፍሊ እተገብረ ቃለምልልስ ይጥርንፍ።

እቲ ጸብጻብ፡ እቲ በቲ ሕጊ ኣብ ሰባት ዚወርድ ስቓይን፡ ኣቐዲሙ ድማ ስምዕታ ተዋሂቡዎ ዝነበረ ሕጊ፡ ሕጂ ብገሃድ መሪር ሳዕቤን ከም ዘኸተለ ይገልጽ። እቲ ሕጊ ነቲ ናይ ሚግረሽን ምቕባል ንጥፈት ኣብ 2016 ኣጕዲሉዎ እዩ፡ ዕላማኡውን ከምኡ እዩ ነይሩ።

ቍጽሪ ምብትታን ስድራቤትን መጠን ጭንቀትን ይውስኽ

ከምዚ ዝበለ ሕጊ፡ ንብዙሓት ስድራቤታት በታቲኑወን ኣሎ። ጭንቀት ድማ ፈጢሩ። ንሰለስተ ዓመታት ብዙሓት መንበሪ ፍቓድ ዝረኸቡ ስድራቤት ካብ ቤተሰቦም ተፋላሊዮም ይነብሩ ኣለዉ። እዚ ድማ ብርቱዕ ናይ ኣእምሮ ነውጽን ምረትን ፈጢሩ ኣሎ። ብዙሓት ናይዚ ሕጊዚ ግዳያት በቲ ዝሰዓበ ሕፍረትን ውርደትን ምስ ቤተሰቦም ርክብ ኣቋሪጾም ኣለዉ።

 

ኣዲኡ ምሳይ ኪዛረብ ትግድዶ። እንተዘይኮነ እዚ ወይ እቲ ኣይህበካን እየ ትብሎ። እቲ ህጻን ነታ ተለፎን ኣልዒሉ ይርእያ፡ ብድሕሪኡ ዓይነይ ኣሕሚሙኒ ብምባል ይድርብያ። ቀደም ከይዛረብ ከሎ ጸገም ኣይነበሮን። ሕጂ ግን ዘረባ ምስ ጀመረ ስለምንታይ ናብ መናፈሻ ዘይትወስድኒ ይብለኒ፡ ስለምንታይ ገለ ነገራት ዘይትዕድግለይ ይብለኒ። ኣቦይ ኣይፈትወንን እዩ ይብለኒ –ኣቦኡ ግን ምሳና የሎን።”

isabell Höjman/TT

እቲ ካብ ሲርያ ዝመጸ ዓሊ፡ ሓደ ካብቶም ናይዚ ሕግዚ ግዳያት እዩ። ንሱ ምስ ወዱን ምስ በዓልቲቤቱን ንምርኻብ ሰለስተ ዓመታት ተጸቢዩ።

ከቢድ ናይ ናብራ ጠለብ ንኣንስቲ የጥቅዐን

ብመሰረት ጸብጻብ፡ እቲ ናይ ክንክን ጠለባት ካብ ኣብ ድቂተባዕትዮ፡ ኣብ ደቂንስትዮ ዝያዳ ከቢድ ይኸውን። ኣብቲ ዚውሃብ ብዪን ምስ እንምልከት፡ እቶም መንበሪ ፍቓድ እተዋህቦም እውን፡ ገዛን ስራሕን እናሃለዎም ከሎ፡ ምስ ስድራቤቶም ኪተኣኻኸቡ ኣይክእሉን እዮም፡ ዚውሃብ ምኽንያት ድማ እዚ እኹል ኣይኮነን ዚብል እዩ። ኣብ ሃገር ሽወደን ዚመጻ ደቀንስትዮ ዝያዳ ዚህሰያ፡ ስራሕ ንምርካብ ጸገም ስለ ዘለወን እየን። እተን ንበይነን ኣብ ዓደን ኮይነን ዚጽበያሞ ኸኣ ኣዚዩ ከቢድ ጸገም እየን ዘሕልፋ። ብመሰረት ጸብጻብ፡ እቶም ኣብ ዓዲ ዚተርፉ ወይ ኣብ ሳልሳይ ሃገር ዘለዉ ህጻናትን ኣንስትን ሕማቕ መነባብሮ እዩ ዘለዎም።

ኪጽወር ዘይከኣል ጭንቀት

ብኻልእ ወገን ድማ፡ እቲ ግዜያዊ ዕቝባ ኣብቶም ስደተኛታት ዓቢ ጭንቀት እዩ ፈጢሩ። እዚ ድማ ብመገዲ ቃለምልልስን ምርመራን ተራጋጊጹ እዩ። ግዜያዊ መንበሪ ፍቓድ ነቲ ተኽእሎ ምሕዋይ ሕማም ኣእምሮ የህስሶ እዩ።

ኣጨናቒ ኩነታት ይቕንስ

ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ብምኽንያት ህጹጽ ኩነታት ዚውሃብ መንበሪ ፍቓድ ብሰለስተ ኢድ ጎዲሉ እዩ። እዚ ኣዚዩ ዘጨንቕ እዩ፡ ከመይሲ እዚ ካብ መጀመርያ ናብቶም ኣዚዮም እተጠቕዑ ሰባት ዝጠመተ እዩ። ሕጂ በጺሕናዮ ዘሎና ግዜ ከኣሞ ብቑዕ ሰብኣዊ ምኽንያት እናሃለወ ኸሎ ዝሓመሙ ህጻናት ዚስጎጉሉ ኣጋጣምታት ይረአ ኣሎ።

 ናይ ቀዪሕ መስቀል ምዕዶን ምኽርን

እምበኣር ቀዪሕ መስቀል ነዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ሓቅታት ብምምርኳስ ከምዚ ዚስዕብ ማዕዳን ምኽርን የቕርብ፥

  1. ባይቶ ነዚ ግዜያዊ ኣዋጅ ከየንውሖ። ከምዚ ኪብሃል ከሎ ድማ እቲ ስሩዕን ምዱብን ሕጊ ካብ ሓምለ 20-2019 ኣብ ግብሪ ኪውዕል።
  2. እቲ ግዜያዊ ሕጊ ዚቕጽል እንተ ደኣ ኾይኑ፡ እቲ ናይ ስድራቤት ምትእኽኻብ ኣገባብ ኪመሓይሽ። ስድራቤታት ይሳቐያ ስለ ዘለዋ፡ እቲ ሰድራቤታዊ ምርኻብ ካብ ሰለስተ ዓመት ከይነውሕ። ነቶም ኣብ ሃገር ሽወደን መንበሪ ፍቓድ ዚውሃቦም ሰባት፡ ናይ ስድራቤታዊ ምርኻብ ውሕስነት ድማ ኪወሃቦም ይግባእ። እቲ ንምትእኽኻብ ስድራቤት ዘጸግም ናይ መነባብሮ ጠለብ ድማ ኣብ ግምት ኣትዩ ከም ብሓድሽ ኪረአ ይግባእ።
  3. እቲ ድሩት መንበሪ ፍቓድ ከም መሰረታዊ ሕጊ እንተ ደኣ ኾይኑ፡ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ድማ ብመሰረት ናይ ምንዋሕ መጠየቕታ ኪናዋሕ ይግባእ፡ ማለት ናይ ዕቝባ ወይ ውሕስነት ጠለብ ምስ ዚህሉ።
  4. እቲ ብምኽንያት ህጹጽ ኩነታት ዚውሃብ ድሩት መንበሪ ፍቓድ ኪወድቕ ይግባእ። ዘይምኽኑይ ሰብኣዊ ሳዕቤናት ንምልጋስ፡ ናይ ጥዕናን ካልእ ኩነታትን ጠለባት ኣገዳስነት ኪወሃቦ ይግባእ። ብፍላይ ንህጻናት።

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com