Friday , April 26 2024

እንኮ  ፈታሕ ጸገም ማድሪድ ብ ሃዛርድ ዶ ይፍታሕ ይከውን

ጋንታ ሪያል ማድሪድ ድሕሪ ምግዳፍ 5 ኮኾብ ተጻዋታይ ዓለምና ሮናልዶን ኣሰጣኒ ዘዳንን ኣብዚ ዘልናዮ ናይ ውድድር ውቕቲ ተደጋጋሚ ነጥቢ ብምጥፋእ ኣብ ቅልውላው ትርከብ። እዚ ድማ ን ኣካየድቲ ዛ ጋንታን ደገፍቲ እዛ ክለብን ኣብ ሻቅሎት ሸሚምዎም ይርከብ።

እዛ ጋንታ ዓወት ካብ ዝሕረማ 5 ጸወታታት ሸቶ ካብ ዘይተመዝግብ ድማ ኣስታት 6 ሰዓትን 49 ደቂቅን ኣሕሊፋ ትርከብ ብመሰረት ደጋፊት እዛ ጋንታ ዝኾነ ጋዜጣ ማርካ። ዝሓለፈ ሰሙን ጋንታ ኣላቬዝ  ናብ ማድሪድ ተጛዒዛ ድሕሪ 1931 ናይ መጀመርያ ዓወት ኣምዝጊባ።

ኣምብኣር እዚ ጸገም እዚ እዩ ን ሰልጣኒኣ ጁልያን ለፕቶጉ ኣብ ምልክት ሕቶ ን ኣካየድቲ እዛ ጋንታ ኣብ ሻቅሎት ሸሚሙ ጸገም እዛ ጋንታ ንምፍታሕ ኣንፈቶም ናብ ተጻዋትይ ክለብ ቸልሲ ኤድን ሃዛርድ ከቕንዑ ዘገደዶም። እዛ ዝኾነ ዋጋ ንምክፋል ድሕር ዘይትብል ጋንታ ኣብ ዝስዕብ ወርሒ ጥሪ ናይ ምስግጋር ተጻወትቲ ወቕቲ ን ሃዛርድ  ምስኣ ከምትጽንበሮ ብርእሰተኣማንነት ትገልጽ ዘላ። ተጻዋትይ ኤደን ሃዛርድ እዚ ንዓይ ሕልሚ እዩ ብምባል ድልውነቱ ኣብ መራኸቢ ቡዝሃን ይገልጽ ኣሎ። እሞ ኸደኣ ፈዋሲኣ ዶ ይኸውን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com