Friday , April 26 2024

ደብዳበ ናብ ዓዲ ቍ 5

ዝኸበርካ ኣቦይ

ዓዲ ከመይ ኣሎ፡ ዝዓበየን ዝነኣሰን?

ኣቦ፡ ከምቲ ኣቐዲመ ዝነገርኩኻ፡ እዛ ዘለኹዋ ገዛ ናይ ሰላም ገዛ ክትኮነለይ እምነ፡ ከመይሲ እቶም ናይቲ ገዛ ብጾተይ ዘይኮኑስ፡ እቶም ኪበጽሑ ዝመጹ እዮም ገዲዶምኒ ዘለዉ።

ቀዳመሰንበት፡ ነቲ ናይጀርያዊ ኪበጽሕ ዚመጽእ መንእሰይ ኣሎ። ባዕሉ ናይጀርያዊ እዩ፡ ናይ ጥንቆላ ነገራት ድማ ይፈቱ። ሚግረሽን ጌና ስለ ዘይተቐበሉዎ፡ ናብ ዓዱ ደብዳበ ብምጽሓፍ፡ ጸላም ደርሆ ሓሪዶም ኣብቲ ኣፍደገ ገዝኡ ኪቐብሩሉ ሓቢሩዎም። ሚግረሽን ምስ ነጸጉዎ ድማ፡ ጻዕዳ ደርሆ ኪፍትኑ ብትሪ ሓቢሩዎም። ደረውህ ዓዱ ከይውድአን ሰጊአሉ። ኣብቲ ዘለኹዎ ገዛ መጺኡ እውን ሽምዓታት ብምውላዕ ገለመለ እናበለ ይደግም ኣሎ።

ሓንቲ ሶማልያዊት መንእሰይ ምስ ዕሸል ጓላ መጺኣትና። ግን ንበይና ገዛ ሂቦምዋ። ጽብቕቲ ብምንባራ፡ ኩሉ ሰብ ኣብቲ ጥቓ ገዝኣ ይዝምቢ ነይሩ። ምሸት ድማ መንእሰያት ከም ኣዛብእ ሩር ሩር ይብሉ ኣለዉ።

ሓደ ከማና ምስ ካልኦት ሶማልያውያብ ብጾቱ ዚቕመጥ መንእሰይ፡ ከርግጻ ወይ ኪድውራ ብዙሕ ፈቲኑ፡ ግን እታ ጓል፡ ዋዕሮ ስለ ዝነበረት፡ ኣፈራሪሃቶ።

ካብቶም ኢራቃውያን ሓደ ነይሩ ኣውቶቡስ ወይ ባቡር ተሳፊሩ ኪኸፍል ዘይደሊ። ሓደ እዋን እናዕለልና ከሎና፡ ከመይ ጌርካ ብባቡር ወይ ብኣውቶቡስ ከይከፈልካ ክሳዕ ዮተቦሪ ከም እትጕዓዝ ብዚምልከት ስፍሕ ዝበለ ኣስተምህሮ ሂቡና። ሓደ ካልእ ድማ፡ ከመይ ጌርካ ካብ ሱፐርማርከት ከም ዚስረቕ ብኣብነታት እተሰነየ ዕሙቕ ዝበለ ትምህርቲ ኣስኒቑና። ግን ተመሊስና፡ እቶም ሰማዕቲ ኢና ነዞም ክልተ ክኢላታት-ስርቂ ዝገሰጽናዮም። መንግስቲ ገዛ ሂቡ እናኣምሃረን እናመገበንሲ ክትሰርቁዎ ትፍትኑ ኢልናዮም። ግን ዝዓጠጦም ኣይመስሉን። ንጽባሒቱ እቲ ናይ ሱፐር ማርከት ስርቂ (ስናተሪ) ክኢላ፡ ናብ ሱፐርማርከት ብምውፋር ሓሙሽተ ዕሹግ መግቢ ሒዙ መጺኡና። ብኽልተ መገዲ ድማ ሓፊርና፥

  1. ብምስራቑ
  2. እቲ እተዓሸገ መግቢ፡ ናይ ደማሙን ኣኽላባትን ብምዃኑ።

ገለ ከኣ ኣለዉ ቀዳመሰንበት፡ ናብ ኣዝማዶም በጺሖም ዝመጹ። ገለ ኸኣ፡ ናብ ኣዝማዶም ምስ ከዱ፡ ብኣኡ ኣቢሎም ዝጠፍኡ። ገለ ድማ ናይ ሪጀክሽን ወይ ኣቭስላግ ደብዳበ ይመጾም እሞ፡ ካባታቶም ንላዕሊ ንሕና ንሓዝነሎም። ንሓደ ኣብ ቅድሜና ፖሊስ መጺኦም ወሲዶምዎ። ኣይረድ እዩ። ኤርትራውያን ግን ብዙሕ ኣይንሰግእን ኢና።

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com