Wednesday , May 1 2024
LINDAHL BJÖRN/Aftonbladet/TT

ስቨርየ ደሞክትራተርና SD፡ ንሞደራተርናዊ M መንግስቲ ደው ከብሉዎ ይሓስቡ

መራሒ ሞደራተርና፡ ኡልፍ ክሪስተርሶን ብሞደራት ዚምራሕ ወይ ድማ ብልፍንቲ ሞደራትን ክሪስትያን ደሞክራስን KD ዚምራሕ መንግስቲ ከቕውም ድሉው እዩ።

ማእከላይ ሰልፊ ነቲ መራሒ ሞደራተርና ነቲ መደቡ ወግዓዊ ብምግባሩ ይነቕፎ።

ሽወደናዊ ደሞክራሳውያን SD ነቲ ናይ ክሪስተርሶን ትልሚ ደው ከብሉዎ ይደልዩ።

”ንሕና ምንም ጽልዋ ከም ዘይብልና ብግልጺ ዚዛረብ መንግስቲ ዕድል ክንህቦ ኣይንደልን” ይብል ጂሚ ኦከንሶን ናይቲ SD መራሒ።

“ምንም ናይ SD ጽልዋ”

እቲ ኣብ ከምዚ መንግስቲ ኪሳተፍ ዘይደሊ ሰልፊ ልፍንቲ፡ ኣብቲ ባይቶ ኪሳተፍ እዩ። ናይቲ ልፍንቲ ናይ ጽገና ኣጀንዳን ናይ ቁጠባ ፖሊሲን፡ ናይቲ ፖለቲካ መሰረት ኪኸውን እዩ።

“SD ይኹን ወይ ጸጋማዊ ክንፊ ኣብቲ ናይ መንግስቲ ፖሊሲ ምንም ጽልዋ ኣይኪህሉዎን እዩ” ይብል ክሪስተርሶን።

ክሪስተርሶን ምስተን ኣርባዕተ ሰልፍታት ልፍንቲ ኮይኑ ብዘይ ደገፍ SD መንግስቲ ኪምስርት እዩ ዚደሊ።

Lars Larsson/TT

Peter Wallberg/TT

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com