Friday , April 26 2024
Gustav Sjöholm/TT

ብሰንኪ ተክኒካዊ ጌጋ ሓደ ተኣፋፊ ሰነድ ናብ 400 ሰባት ተበቲኑ።

ኣገልግሎት ምቕራብ ኢንተርነት ስቶክሆልም ብዝፈጸሞ ተክኒካዊ ጌጋ ሓደ ውልቃዊ ሰነድ ናብ 400 ሰባት ተበቲኑ።

ቆንስል እታ ከተማ ንመርማሪ ሰነድ ብዛዕባ እቲ ጒዳይ ሓቢርዎ’ሎ። ብልክዕ እንታይ እዩ ተፈጺሙ፡ ብኸመይከ ህይወት እቶም ሰባት ክጸሉ ክኢሉ ዝብል መርመራ ጀሚሩ’ሎ።

” ነዚ ድንገት ብኣንክሮ ኢና ንምርምሮ ዘሎና። ምምሕዳር ከተማ ንዝምልከቶም ሰባት ብቴሌፎን ብምርካብ ውልቃዊ ሰነዳቶምን ቃልዕ ምዃኑ ብምንጋር ሓገዝ ዘድልዮም እንተኾይኑ ክተሓባበር እዩ” ብምባል ቆንስል እታ ከተማ ገሊጹ።

በዚ ጌጋ እተሃሰዩ ሰባት ፋይናንሳዊ ሓገዝ ዝረኽቡ ኮይኖም ብመገዲ ኣገልግሎት ኢሜይል ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክረኽቡ ጠለብ ዘቕረቡ እዮም ኔሮም።

ቆንስል እታ ከተማ እዚ ጌጋ ምግጣሙ ዝተነግሮም ኣብ ዕለት 20 ናይዚ ወርሒ እዩ ኔሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com