Friday , April 26 2024
PHIL DUNCAN/PROSPORTS/REX/SHUTTERSTOCK

ሓጸርቲ ዜናታት ስፖርት

ጽባሕ ቀዳም ከም መቀጸልታ ቦክሲን ማች ን ሊቨርፑልን ኣርሰናልን ከራኽበን እዩ።

እዘን ክልተ ክልባት መበል 226 ርክበን ክኸዉን ከሎ ሊቨርፑል 78 ግዜ ክትዕወት ከላ ኣርሰናል ብወገና 86 ግዜ ተዓዊታ ዝተረፈ ብማዕረ ተፈላልየን።

TT

እዘን ብ ክለተ ኾዋኽብቲ ኣፍሪቃውያን መራሕቲ ሸቶ ፕሪመር ሊግ ኣቦመያን ብ 13 ሰላሕ 12 ሸቶታት ኣብ ብምምራሕ ዝርከብ መስመር ምጥቃዕ ቀሊል ጽወታ ከምዘይከውን ብኣግኡ ይግመት።

ጀራርድ ፒኬ


Rodrigo Jimenez//TT

ተኻላኻላይ ክለብ ባርሰሎና ጀራርድ ፒኬ ኣብ 2020 ካብ ጸውታ ኩዕሶ እግሪ ብምፍናው ንፕሬዚደንት ናይ ክለብ ባርሳ ንሙኻን ክወዳደር ምኻኑ መርበብ ሓበሬታ ሞንዶ ትሕብር።

ፓል ፖግባ

PHILIP OLDHAM/BPI/REX/SHUTTERSTOCK/TT

ማንቸስተር ዩናይትድ ፓል ፖግባ ናብ ባርሶሎና ኮነ ጂቨንቱስ ምንቅ ከምዘይብል ኣቦ መንበር እዛ ክለብ ኤድዋርድ ገልጹ።

ንሱ ብተወሳኺ ፖግባ ኣብ ትሕቲ ሓዱሽ ኣሰልጣኒ ሶልሻየር ዳግማይ ተሓዲሱ ተበሪሂዎ ሰለዘሎን ዝኾነ ጸገም ስለዘይብሉን ናብ ዘብሎ የለን ይበል። መርበብ ቴሌግራፍ

ብርሂም ዲያዝ

ROBBIE STEPHENSON/JMP/REX/SHUTTERSTOCK/TT

ማንቸስተር ሲትን ርያል ማድሪድን ኣብ ምስግጋር መንአሰይ ብርሂም ዲያዝ ተሰማሚዔን። እዚ ምስ መንእሰያት ጋንታ ማንሲቲ ተጠርኒፉ ዝጻወት የዕንቲ ቡዝሓት ክለባት እካ እንተሰሓበ ክለብ ርያል ማድሪድ እያ ብ 15 ሚልዮን ፓውንድ ንምኽፋል ተሰማሚዓ ዘላ። ኣብ መስመር ምክፍፋል ዝጻወት ዲያዝ ኣብ ክለብ ማን ሲቲ  ቦታ ብምስኣኑ እዩ ንሽዱሽተ ዓመታት ምስ ማድሪድ ክጸንሕ ተሰማሚዑ ክትብል ማርካ ገሊጻ።

ሰሚር ናስሪ


Martin Rickett/TT

ክለብ ዊስት ሃም ንናይ ቅድም ተጻዋታይ ኣርሰናልን ማንቸስትር ሲቲን ነበር ፈረንሳዊ ሰሚር ናስሪ ንሽዱሽተ ወርሒ ኣፈሪማቶ።

ካሊዱ ኩሊባሊ

ALBERTO LINGRIA/TT

ብሰንኪ ደገፍቲ ኢንተርሚላን ኣብ ልዕሊ ተጻታዋይ ክለብ ናፖሊ ዝኾነ ሰንጋላዊ ኩልባል ብዝወረድዎ ዓሌታዊ ጸርፊ ኢንተርሚላን ንክልተ ጸወታ ኣብ ዕጹው ስታድዮም ክጻወት ፈደረሽን ኩዑሶ እግሪ ጥልያን ወሲኑ።

ኤድን ሃዛርድ


MICHAEL ZEMANEK/BPI/REX/SHUTTERSTOCK/TT

ምስ ክለብ ቸልሲ መበል 101 ሸቶ ዘቁጸረ በልጂማዊ ኤድን ሃዛር ኣብ ክለቡ ልኽዕ ከም ህቡባት ተጻውቲ ጆን ተሪ ድሮግባን ላምፓርድ ለጀንድ ክኸዉን ከምዝደሊ ገሊጹ።

ስለዚ  ናብ ክለብ ርያል ማድርድ ናይ ምስግጋር ሓሳቡ ሕጂ ግዜኡ ከምዘይኮነ ገሊጹ።

ኣርሰን ቨንገር

NICOLAS ASFOURI/TT

ክለብ ኤሲ ሚላን ንኣርሰን ቨንገር ከም ተካኢ ኣሰልጣኒ ጋትሶ ገይራ ሓጽያቶ ከምዘላ ይሕበር ኣሎ ጋዜጣ ካልቾ መርካቶ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com