Wednesday , May 15 2024

ዜና

ዎርልድ ዴሞክራሲ ኢንደክስ: ሽወደን ካብ ዓለም ሳልሳይቲ ዝዓበየት ዴሞክራስያዊት ሃገር ተባሂላ።

ብመሰረት ምደባ ዎርልድ ዴሞክራሲ ኢንደክስ ብዓለም ደረጃ ሽወደን ሳልሳይቲ ዝዓበየት ዴሞክራስያዊት ሃገር ተባሂላ። ቀዳመይቲ ኖርዌይ ካልአይቲ ድማ ኣይስላንድ ተሰሪዐን ኣለዋ። 4.5 ሚእታዊት ህዝቢ ዓለም ዝነብረለን 20 ሃገራት “ምሉእ ዴሞክራስያዊ ስርዓት ዘለወን” ክበሃላ እንከለዋ እተን 167 ዝተረፋ ሃገራት” ጎደሎ ዴሞክራስያውያን” እየን ተባሂሉ። ነቲ ምደባ ዝደረኹ ባእታታትን ረቛሒታትን መስርሕ ምርጫ:ብዙሕነት: ግብረመልሲ መንግስቲ :ፖለቲካዊ ተሳታፍነት:ዴሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ባህሊን ሓፈሻዊ ሲቪካዊ ሓርነትን እዮም። ኣብ 2018 …

Read More »

ክልተ ተመሃሮ ስቶክሆልም ብጾትኩም ክተቅተሉ ፈቲንኩም ብዝብል ገበን ተኸሲሶም።

ፖሊስ ሽወደን ሎሚ ንግሆ ኣብ ቲርሶ ስቶክሆልም ኣብ ዝርከብ ኢንተርናሽናል ኢንግሊሽ ስኩል ዝተባህል ቤትትምህርቲ ክልተ ተመሃሮ ንኻሎኦት ክልተ ተመሃሮ ክቐትሉ ፈቲኖም ብዝብል ክሲ መስሪቶምሎን ኣለዉ። ቅድሚ ሰዓት 11 ሓደ ካብቶም ተመሃሮ ንብጻዩ ብጽኑዕ ምስ ኣቚሰሎ እዩ እዚ ኲነት ኣጋጢሙ። እቲ ግዳይ በቲ ዘጋጠሞ ማህሰይቲ ምኽንያት ናብ ሆስፖታል ክዕቈብ ተጌሩ’ሎ። ፖሊስ ኣብቲ እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ተመሃሮ ስሕለት ተጠቒሞም እንተኾይኖም ንዝተሓተትዎ ምንም …

Read More »

ሊበራላዊ ሰልፊ ንፕረዚደንት ዓቃባዊ ሰልፊ ኡልፍ ክሪስተርሰን ብምድጋፍ ምስ ኤስፒዲ ምትሕግጋዝ ከም ዝጅምር ኣጠንቂቑ።

ኣብ ጋዜጣ ኤክስፕረስ ንክትዕ ኣብ ዘቕረብዎ ዓንቀጽ እቶም ሸሞንተ ኣባላት” ንሽወደን ዝሕሻ ኡልፍ ክሪስተርሰን ቀዳማይ ሚኒስተር እንተኾይኑ እዩ” ኢሎም። ባይቶኣዊ ጒጅለ ሰልፊ ሊበራላውያን 20 ኣባላት ዘለዉዎ ኮይኑ ንክሪስተርሰን ዝድግፉ ካብ ፍርቂ ብኣዝዩ ንእሽቶ ቊጽሪ ዝውሕዱ እዮም። “ሊበራላውያን ምስ ዴሳዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ምትሕግጋዝ እንተጀሚሮም ጃሚ ኦክሶን ቀጽሪ ዓቃባውያን ምፍጣሩ ዘይተርፍ ክኸውን እዩ። እዚ ድማ ንሊበራላዊንት ሽወደን ከዳኽሞ እዩ” ክብሉ እዞም ሸሞንተ …

Read More »

ሓወልቲ ድንግል ማርያም ካብ ዝስረቕ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት ናብ ዋንኡ ቤተክርስትያን ቫርምላንድ ከም ዝምለስ ተጌሩ።

ኣብ ማእከላይ መዋእል ከም እተሃነጸ ዝእመነሉ ሓወልቲ ድንግል ማርያም ካብ ሰፈሩ ካብ ዝስረቕ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት ናብ ዋንኡ ቤተክርስትያን ቫርምላንድ ከም ዝምለስ ተጌሩ። እዚ ኣብ 14 ክፍለ ዘመን ተሰሪሑ ዝበሃል ናይ ዕንጸይቲ ቅርጻ ፈለማ ኣብ ፖርቱጋል እዩ ተረኺቡ። ሓድሽ ወናኒ እዚ ቅርጻ ብቅንዕና ከም ዝገዝኦን ጸኒሑ ኣብ ትራንኪል ቫርምላንድ ከም ዝሸጦን ይዛረብ። “እታ ቅርጻ ተገዚኣን ናብ ቦትኣ ክትምለስ 120 ሽሕ …

Read More »

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ብሪጣንያ ሳጂድ ዣቬድ “ጸረ ስደተኛ መደረ”ሂቡ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ብሪጣንያ ሳጂድ ዣቬድ ኣብ ቀረባ እዋን ዝሃቦ ርእይቶ ካብ ስደተኛታት ብዙሕ ነቐፌታ ይመጾ ምህላዉ፥ አረ’ውን “ጸረ ስደተኛ መደረ” ብምባል ምውጋዙን ተገሊጹ። ዣቬድ ነቶም ብጀላቡ ፕላስቲክ ባሕሪ ክሰግሩ ዝፍትኑ ሰባት “ሓቀኛታት ሓተትቲ ዑቕባ ኣይኰኑን” ድሕሪ ምባል ብስቱር ዝካየድ ዋሕዚ ስደት ክቃለስ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 539 ስደተኛታት ብናእሽቱ ጀላቡ ንካናል ብሪጣንያ ክሰግሩ ምፍታኖም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኸኣ …

Read More »

ደሃይ ምስግጋር ተጻወቲ!

ማንቸስተር ዩናይትድ ን ብራዚላዊ ኮቲንዮ ናብ መሳርዓ ንክትጽንብሮ ምስ ክለብ ባርሰሎና ዝርርብ ከምዝጀመረት ይውረ ኣሎ። ማንቸስተር ነዚ ብራዚላዊ ናብ ኦልትራፎልድ ንምስግጋር 100 ሚልዮን ፓውንድ ሰሊዓ እያ ናብ ባርሰሎና ኣመሪሓ ዘላ። Sky sport እስጳኛዊት ክለብ ቪላርያል ካብ ክለብ ሌስተር ሲቲ ን ተጻዋታይ ቪንሰን ኢቮራ ሲጋብ 2023 ዘጽንሕ ኣፈሪማቶ። Villarial.Fc ማንቸስተር ዩናይትድ ን ግሪኻው ተኸላኸላይ ክለብ ሮማ ኮስታስ ሚላኖስ ንምፍራም ምንቅስቃ ጀሚራ። …

Read More »

ምእንጋድ ውድድር ዋንጫ ኣፍሪቃ 2019 ንግብጺ ተዋሂቡ!

ምእንጋድ ውድድር ዋንጫ ኣፍሪቃ 2019  ካሜሮን ንኸተእንግድ ዕድል ተዋሂብዋ እንተነበረ ኮንፈደረሽ ኩዑሶ ኣግሪ ኣፍሪቃ(ካፍ) እኹል ምድልዋት ኣይገብረት ብምባል ሎሚ ኣብ ዝገብሮ ዋዕላ ን ሃገረ ግብጺ ንኸተዳልው ዕድል ሂቢዋ። ግብጺ ነዚ ዕድል ዝረኽበት ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፈሪቃ  ሎሚ ኣብ ሰኔጋል ኣብ ዝገብሮ ዋዕላ ን ደቡብ ኣፍሪቃን ብድምጺ ብልጫ ብምስዓር እያ ተዓዋቲት ክትከውን ዝኸኣለት። እዚ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሰኔ ዝካየድ ውድድር ን …

Read More »

ፖሊስ ኣብ ደቡብ ሽወደን ነተጒቲ ይረኽቡ።

ዝሓለፈ ዓመት ሕዳር 15 ፍተሻ ድሕሪ ምክያዱ ፖሊስ ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ኣብ ልዕሊ 280 ከባቢታት ነተጒቲ ከም ዝረኸቡ ገሊጾም። ዞባዊ ዳይረክተር ስንቂ ፖሊስ ፒንግ ሹስተር ኣባላት ሓለዋ ጸጥታ ናብ ደቡባዊ ሽወደን ናብ ዝርከባ 280 ከባቢታት ከም እተላእካ ገሊጹ። እቲ ነተጒቲ መብዛሕትኡ ዲናማይት ፊንገርስ ዝበሃል ዓይነት ኮይኑ ቡምባ ኢድ ግና ኣይተረኽበን። እቲ ወፍሪ ዞባታት ሳኩና ባልከኒግ ክሮንበሪን ካልማርን ዘጠቓልል እዩ። እቶም …

Read More »

መብርሂ ደረጃታት መጠንቀቕታ ካብ ሜትሮሎጂ ስዊድን

መጠንቀቕታ ደረጃ ሓደ….. ብጫ መጠንቀቕታ ሕማቕ ኲነታት ኣየር። ዝምዕብል ዘሎ ኲነታት ኣየር ኣብ ህዝቢን ገለ ማሕበራዊ ንጥፈታይን ስግኣት ክህልዎ እዩ ተባሂሉ ትጽቢት ይግበረሉ። መጠንቀቕታ ደረጃ ክልተ….ኣራንሾኒ መጠንቀቕታ ሕማቕ ኲነታት ኣየር እዚ ምዕባለ ኣብ ህዝቢ ሓደጋ ከብጽሕ ዕብይ ዝበለ ንዋታዊ ዕንወትን ምትእጒጓል ኣገዳሲ ማሕበራዊ ንጥፈትን ከኽስት ይኽእል እዩ። ህዝቢ ሓድሽ ሓበሬታ ካብ ኢንተርነት ሬድዮን ቴሌቪዥንን ክረክብ ይዕደም። መጠንቀቕታ ደረጃ ሰለስተ….ቀይሕ መጠንቀቕታ …

Read More »

ውድድር ኤፍ ኤ ካብ ን ሊቨርፑል የሰናብት ኣርሰናልን ማንቸስተር ዩናይትድን የራኽብ!

ሊቨርፑል ካብ ውድድር ኤፍ ኤ ካብ ተኣልያ። ትማሊ ምስ ክለብ ዎልቭስ ኣብ ዝገብረቶ ጸወታ ዝበዝሑ ቆወምቲ ተሰልፍቲ እዛ ጋንታ ብምዕራፋ 2 ብ 1 ብዝኾነ ውጺኢት ኣብ ናይ ሳልሳይ ዙር ተሳናቢታ። ክለብ ሊቨርፑል ብዘይ ተኸላኻላይ ቫን ዳይክ ንሳልሳይ ግዜ ዝገብረቶ ጸወታ ስዕረት ኣጋጢምዋ። ካልእ ከምዚሉ ከሎ ራብዓይ ዙር ዕጫ ውድድር ኤፍ ኤ ካብ ን ዓበይቲ ጋንታታት ኣርሰናልን ማንቸስተር ዩናይትድን ኣራኺቡ። ዓወት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com