Friday , April 26 2024

መብርሂ ደረጃታት መጠንቀቕታ ካብ ሜትሮሎጂ ስዊድን

መጠንቀቕታ ደረጃ ሓደ….. ብጫ መጠንቀቕታ

ሕማቕ ኲነታት ኣየር። ዝምዕብል ዘሎ ኲነታት ኣየር ኣብ ህዝቢን ገለ ማሕበራዊ ንጥፈታይን ስግኣት ክህልዎ እዩ ተባሂሉ ትጽቢት ይግበረሉ።

መጠንቀቕታ ደረጃ ክልተ….ኣራንሾኒ መጠንቀቕታ

ሕማቕ ኲነታት ኣየር እዚ ምዕባለ ኣብ ህዝቢ ሓደጋ ከብጽሕ ዕብይ ዝበለ ንዋታዊ ዕንወትን ምትእጒጓል ኣገዳሲ ማሕበራዊ ንጥፈትን ከኽስት ይኽእል እዩ። ህዝቢ ሓድሽ ሓበሬታ ካብ ኢንተርነት ሬድዮን ቴሌቪዥንን ክረክብ ይዕደም።

መጠንቀቕታ ደረጃ ሰለስተ….ቀይሕ መጠንቀቕታ

ኣዝዩ ሕማቕ ኲነታት ኣየር ኣዝዩ ሕማቕ ኲነታት ኣየር ኣብ ህዝብን ኣገዳሲ ማሕበራዊ ዕዮን ከቢድ ምትእጒጓል ዘስዕብ እዩ። ህዝቢ ሓድሽ ሓበሬታ ካብ ኢንተርነት ሬድዮን ቴሌቪዥንን ክረክብ ይዕደም።

ሃሳስ ሰማያዊ …

እዚ ኣጠራጣሪን ቀልጢፉ ናብ ንቡር ህዱእ ኲነታት ናይ ምምላስ ተኽእሎ ንዘለዎን ኲነታት ኣየር ንምምልካት ዝዝውተር እዩ።

ሓደጋ

ሓደጋ ሓዊ…….

ሓምራዊ ናይ ባርዕ ሓደጋ ኣብ ምድርን ጫካን ክላባዕ ዝኽእል ሓደጋ ባርዕ ንምምልካት ይዝውተር። ኣብ ግዳማዊ ተባራዒ ነገር ናይ ባርዕ መጠንቀቕታ ክግበር ይግባእ። እዚ ብምምሕዳር ከተማ ወይ ቦርድ ምምሕዳር ኣውራጃ እዩ ዝፍጸም። ሓደጋ ባርዕ መልእኽቲ ቃጸሎ….

ሓምላዋይ ሰማያዊ

እዚ መልእኽቲ ብመሰረቱ ንሰብ ክንክን ጥዕና ዝምልከት ኮይኑ ሓደጋ ዘለዎ ናይ ረስኒ ግዜ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com