Friday , April 26 2024
JANERIK HENRIKSSON / TT

ዎርልድ ዴሞክራሲ ኢንደክስ: ሽወደን ካብ ዓለም ሳልሳይቲ ዝዓበየት ዴሞክራስያዊት ሃገር ተባሂላ።

ብመሰረት ምደባ ዎርልድ ዴሞክራሲ ኢንደክስ ብዓለም ደረጃ ሽወደን ሳልሳይቲ ዝዓበየት ዴሞክራስያዊት ሃገር ተባሂላ።

ቀዳመይቲ ኖርዌይ ካልአይቲ ድማ ኣይስላንድ ተሰሪዐን ኣለዋ።

4.5 ሚእታዊት ህዝቢ ዓለም ዝነብረለን 20 ሃገራት “ምሉእ ዴሞክራስያዊ ስርዓት ዘለወን” ክበሃላ እንከለዋ እተን 167 ዝተረፋ ሃገራት” ጎደሎ ዴሞክራስያውያን” እየን ተባሂሉ።

ነቲ ምደባ ዝደረኹ ባእታታትን ረቛሒታትን መስርሕ ምርጫ:ብዙሕነት: ግብረመልሲ መንግስቲ :ፖለቲካዊ ተሳታፍነት:ዴሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ባህሊን ሓፈሻዊ ሲቪካዊ ሓርነትን እዮም።

ኣብ 2018 ሽወደን መበል ሚእቲ ዓመት ምቛም ዴሞክራስያዊ ስርዓት ጸምቢላ እያ።

ካብ ምጅማር 2019 ሕጊ ምርጫ ሽወደን ብምምሕያሽ እቲ ካርድ ምርጫ ዝድመጸሉ ቦታ ስቱር ክኸውንን ናይ መራጻይ መሰል ብሕታውነት ክወሓሰን ተደንጊጉ’ሎ።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ሳናዱቕ ምርጫ ሽወደን ናይ ተወዳዳሪ ስም ስለዝጸሓፎን መን ንመን መሪጹ ብቐሊሉ ክረአ ስለዝኽእልን እዩ።

እዚ ለውጢ ዝተኣታተወ ዝሓለፈ መስከረም ንዝተኻየደ ምርጫ ዝተኸታተሉ ኣህጒራውያን ተዓዘብቲ ድሕሪ ዝሃብዎ ለበዋ እዩ።

እዚ ድማ መሰል ብሕታውነት መረጽቲ ክመሓየሽን ሕጊታት ፈሰስ ንዋይ ወፈራ መረጻ ጥብቕ ክብል ዝብል ይርከቦ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com