Friday , April 26 2024

ብዙሓት ሓደስቲ መጻእቲ ናብ ኮሙን ተሰዲዶም

 SVT Nyheter

እቲ ናይ መንበሪ ኣባይቲ ሕጊ ካብ 2016 ጀሚሩ ኪሰርሕ ምስ ጀመረ ኣትሒዙ ኣስታት ሽሕ ሓደስቲ መጻእቲ ናብቲ ናይ ሶርምላንድ ኮሙናት ተላኢኾም፡ ይኹንምበር እተን ኮሙናት ከመይ ጌረን ነቲ መንበሪ ኣባይቲ ከም ዘመሓድራኦ ዚፈላለ ይመስል።

 እቶም ኣብ ሃገር ሽወደን መንበሪ ፍቓድ ረኺቦም ከለዉ ግን መንበሪ ቤት ኪረኽቡ ዘይከኣሉ ናብቲ ገዛ ኪረኽበሎም ዚኽእል ኮሙን ተላኢኾም ኣለዉ።

ብዝሒ ናይቶም እተላእኩ ሰባት ብመጠን ናይቲ ኮሙናት ግዝፊ፡ ናይ ስራሕ ኩነታት ወይ ድማ ብመሰረት እቲ ኮሙን ቅድሚ ሕጂ ክንደይ ሓደስቲ መጻእቲ ተቐቢሉ ነይሩ ይፈላለ እዩ።

እተፈላለየ ኣቀባብላ

እቶም ኣብ ካትሪንሆልም ዘለዉ ቀጥታ ገዛ ይረኽቡ እዮም፡ ከምዚ ኪኸውን ዝኸኣለ ድማ እቲ ኮሙን ገዛውቲ ሰሪሑ ስለ ዝጸንሐ እዩ።

ስትረንግነስ ከይተረፈ ነዞም ቀዲሞም እተላእኩ ገዛ ይረኽበሎም እዩ። ግን ልክዕ ከም ኒሽፒንግ፡ እቲ ገዛ ንስድራቤት እዩ ብቀዳምነት ዚወሃብ። ከምዚ ብምዃኑ ድማ እቶም በይኖም ዝመጹ ስደተኛታ ገዛ ንኺረኽቡ ነዊሕ ኪጽበዩ ኣለዎም።

ሆስተላት ንሰለስተ ዓመት

ኣብ ኒሾፒንግ ኩሉ ሰብ ንምጅማር ኣብ ሆስተል እዩ ዚቕመጥ፡ ኣብ ከምዚ ገዛውቲ ገለ ካብቶም ገዛ ጌና ዘይረኸቡ ሓደስቲ መጻእቲ ይቕመጡ ኣለዉ።

– ንሕና ናይ ገዛ ዋሕዲ ኣሎና፡ ብፍላይ ድማ ነኣሽቱ ገዛውቲ። ካብ 2016 ኣትሒዞም ኣብ ሆስተል ዚቕመጡ ኣርባዕተ ሰባት ኣለዉ። ግን ኣብ ሓጺር ግዜ መንበሪ ገዛ ኪረኽቡ እዮም፡ ይብል ቪክቶር ኤሪክሶን ጎንዛለስ፡ ናይ ኣሃዱ ሓላፊ፡ ኣብ ናይ ኒሾፒን ክፍሊ ማሕበራዊ ክንክን።

ናይ በይንኻ ገዛ ምርካብ

እቶም ናብ ቶርሳ እተላእኩ ከይተረፉ ኣብ ግዜያዊ ገዛ እዮም ዚቕመጡ። ከምዚ ምግባር ድማ እቲ ሰብ ኣብ ግዜ ምትካል እግሪ ንኽልተ ዓመታት ኣብኡ ይቕመጥ እሞ ኣብኡ ኸሎ ድማ ቀዋሚ ቤት ይርከበሉ ማለት እዩ።

– እቲ ገዛ ዝደሊ ሰብ ኣብ ሪጋ ኣትዩ ገዛ ንምርካብ ኪነጥፍ ይግባእ፡ ትብል ጀሲካ ብሪደ ሓላፊት ክፍሊ ምውህሃድ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com