Saturday , April 27 2024

ሕጹይ ኣባል ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኣመሪካ ብጾታዊ ዓመጽ ይኽሰስ

USATT

ብዙሓት ናይ ሰልፊ ደሞክራሲ ኣመሪካ ሰነይተርስ ነቲ ናይ ብረት ካቫኖ ናብ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኣመሪካ ምምራጽ ከናውሕዎ ይጠልቡ ኣለዉ።

ከምዚ ኪኸውን ዝኸኣለ ድማ ሓንቲ ስማ ዝሃበት ሰበይቲ ኣብቲ ዋሺንተን ፖስት ዚብሃል ጋዜጣ ብጾታዊ ዓመጽ ስለ ዝኸሰሰቶ እዩ።

እቲ ኣብ ሓደ በዓል ወይ ፌስታ ተፈጺሙ ዚብሃል ዘሎ ጾታዊ ዓመጽ፡ ኣብ 1980ታት ኮይኑ እታ ሰበይቲ ድማ 51 ዝዕድመኣ ኣብ ካሊፎርንያ ናይ ስነልቦና ፕሮፈሶር ዝኾነት ክሪስቲን ብላሲ ፎርድ እትብሃል እያ።  ካቫኖ ኣዚዩ ሰኺሩ ብምንባሩ ንክሪስቲን ኣውዲቑ ነቲ ብሓይሊ ከውጽኣላ ፈቲኑ።

ክሪስቲን ብላሲ ፎርድ ከም እትብሎ፡ ንሳ ብዛዕባዚ ፍጻመዚ ክሳዕቲ ምስ በዓልቤታ ኾይና ብ 2012 ሓኪም እትምርመር ከም ዘይተዛረበት ትገልጽ። ንሱ ኪዕምጻ ኪፍተን ከሎ መታን ኡይ ከይትብል ኣፋ ዓጺዩዎ ነይሩ። ኣብ መጠረታ ንሳ ካብቲ ፌስታ ሃዲማ ከተምልጥ ከም ዝኸኣለት ዋሺንተን ፖስት ይሕብር።

መርመራ የድሊ

ብዙሓት ሰነይተርስ ከምኡውን ናይ ውሑዳን/ ማይኖሪቲ መራሒ ቻክ ሹመር፡ ቅድሚ ምርጫ ምክያዱ እቲ ጉዳይ ኪምርመር ኣለዎ ይብል።

“ኣነ ነቲ ወይዘሮ ፎርድ እትብሎ ዘላ እድግፎ እየ፡ ነዚ ምስ ገበረት ድማ ሕጂ እቲ ጉዳይ ኣብ ኢድ ኤፍቢኣይ እዩ፡ ይብል። እዚ ድማ ቅድሚ ናይ ምርጫ መስርሕ ኪካይድ ኣለዎ” ይብል ሰነይቶር ዲያን ፈይንሽታይን ብመሰረት ናይ ኤንቢሲ ዜና።

ኣብቶም ረፓብሊካውያን ከይተረፈ እቲ ምርጫ ኪዳናጐ ዚብል ድምጺ ኣሎ። እቲ ኣብ ናይ ፍርዲ ኮሚተ ዘሎን ናይ ፕረሲደንት ትራምፕ ምምሕዳር ዚነቅፍን ናይ ኣሪዞና ሰነይተር ጀፍ ፍለይክ፡ፎርድ ክትስማዕ ከም ዘለዋ ይገልጽ።

ጽቡቕ ኣይስመዓንን እዩ

ኣብቲ ኮሚቴ 11 ረፓብሊካውያንን 10 ደሞክራስያውያንን ኣባላት ባይቶ ብምህላዎም፡ እቲ ናይ ምርጫ መስርሕ ንኺካየድ ናይ ፍለይክ ደገፍ ኣገዳሲ እዩ።

ኣነ ኣብቲ ዝመጽእ ዘሎ ሓሙስ ምርጫ ንኺካየድ ጽቡቕ ኣይስመዓንን ከመይሲ መጀመርያ ንኣኣ ክንሰምዓ ኣሎና ወይ ድማ ዝያዳ መርመራ ኪካይድ ኣለዎ ይሕብር ፍለይክ ንጋዜጣታት።

እቲ ዲክ ደርቢን እተባህለ ኣባል ደሞክራስያዊ ሰልፍ ብወገኑ ተመሳሳሊ ጠለብ የቕርብ፡ እቶም ፖለቲከኛታት ንፎርድ ኪሰምዑዋ ከም ዘለዎም ድማ ይሕብር፡ ከምይሲ ብውሑዱ ካብቲ ነቲ ጉዳይ ብወግዒ እተቕርቦ ጀሚራ ናይ ጸለመ መጥቃዕቲ ይወርዳ ስለ ዘሎ።

ነቲ ክሲ ይኽሕዶ

ካቫኖ ነቲ ናይ ጾታዊ ምዕማጽ ክሲ ይነጽጎ

“ነዚ ክስዚ ብትርን ብንጹርን እነጽጎ። ኣነ ከምኡ ኣይገበርኩም፡ ኣብቲ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ይኹን ወይ ኣብ ካልእ ግዜ” ዚብል መግለጺ ሂቡ።

ፊሊፕ ኖርማን/TT

Pontus Ahlkvist/TT

 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com