Saturday , April 27 2024

ኣረጋውያን ኣብ ኮምፕዩተር (ዲጂታል) ዓለም የለዉን

TeknikTT

ብዘይ ኮምፕዩተር ህይወት የለን? እወ፡ ብሓቂ ንኣረጋውያን እውን ህይወት የለ። ካብ ኮምፕዩተር ምርሓቕ፡ ካብ ማሕበራዊ ናብራ ከም እትርሕቕ ውን ይገብረካ እዩ፡ ይብል ናይ STV ስሞላንድ ጸብጽጻብ። ሊንዳ ረነላንድ ፉሽማን፡ ኣብ ሊነ ዩኒቨርሲቲ ካልማር ናይ ስነ-ህጻናት ኣስተምሃሪት፡ ንኣርባዕተ ዓመታት ዚኣክል ልዕሊ 65 ዕድመ ዘለዎም ኣረጋውያን ኣብ ናይ ኮምፕዩተር ዓለም ከመይ ከም ዚነብሩ ተማራሚራ።

እቶም ናይ ኮምፕዩተር ዲጂታል ኣሰራርሓ ዘይክተሉ፡ ካብ ካልእውን ተደሪቶም ኪነብሩ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት ናይ ኮምፕዩተር ኣገልግሎት ዘይጥቀሙ፡ ንኺገሹ፡ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ንኺጥቀሙሉ ወይ ምስ ሰብ ኪራኸቡ ኪጽግሞም ይኽእል እዩ።

ሓደ ሰብ ጥሮታ ምስ ኣተወ ነቲ ግዜኡ ትርጉም ህይወቱ ትርጉም ኪስእነሉ ይኽእል እዩ። ምጋሽ  ወይ ናይ ባህሉ ንጥፈታት ከቋርጽ እዩ፡ ትብል ንሳ ን SVT።

ስለዚ ንሳ ከም መደምደምታ እትብሎ፡ እቶም ኣረጋውያን ድሕሪት ንኸይተርፉ ኣብቲ ማሕበረሰብ ናብ ኣረጋያን ዝዓለመ ፍልጠት ኮምፕዩተር ክብ ዘብል ጻዕሪ ኪህሉ ኣለዎ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com