Monday , May 13 2024
Credit: Adam Wrafter/SvD/TT, Björn Bjarnesjö/Migrationsverket

“ብምኽንያት ምውሳኽ ደረት ደሞዝ ዝወሓደ ሕቶ ፍቓድ ስራሕ ክግበር ትጽቢት ኣሎ”–ኤጀንሲ ኢሚግሬሽን።

መንግስቲ ዝወሰኖ ዝተሓተ ደረት ደሞዝ ኣብ ግብሪ ምስ ወዓለ፡ ሕቶ ፍቓድ ስራሕ ክጎድል እዩ ዝብል ግምት ከም ዘለዎ “ኤጀንሲ
ስደተኛታት ሽወደን” ገሊጹ። ኣብ ኤጀንሲ ሚግሬሽን ዳይረክተር ውጥን ኣኒካ ጎትበሪ፡ ብመሰረት ዝሓለፈ ርብዒ ዓመት ዝተገብረ
ትንበያ፥ ኣብዚ ዓመት ኣስታት 7 ሽሕ መመልከቲታት ጥራይ ክኣቱ ትጽቢት ኣሎ።

ብተወሳኺ ካብ ኣርባዕተ ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ስራሕ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት፥ እቲ ሓደ ነቲ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ግብሪ ዝውዕል
ሓድሽ ናይ 26,500 ክሮና ደረት ደሞዝ ንምምላእ እኹል ኣታዊ ከም ዘይረክብ ግምታት ምህላዉ እቲ ኤጀንሲ ወሲኹ
ኣመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com