Tuesday , May 21 2024

ዜና

ኣስታት 1000 መድሃኒታት ዋጋኦም ክኸብር ይኽእል እዩ ተባሂሉ።

ኣስታት 1000 ብሓኪም ዝእዘዙ መድሃኒታት ዋጋኦም ክኸብር ይኽእል እዩ ተባሂሉ። ኤጀንሲ መልዕሎ ስኒን መድሃኒትን ሸወደን ፥ ፋርማሲታት ንፍርያት ዝኸፍላኦ መጠን ክልዕል ብምግባሩ እዩ እዚ ክብሪ መድሃኒታት ተኸሲቱ ዘሎ። እቲ ኤጀንሲ እዚ ዝገበረሉ ምኽንያት ከምኒ ጸረ-ተሃዋስያን –ኣንቲባዮቲክስ–ዝመሰሉ ኣዝዮም ኣገደስቲ መድሃኒታት ተረከብቲ መታን ክኾኑ እዩ ክትብል ሓላፊት እቲ ትካል ሴሲልያ ፍሮስተጋርድ ትገልጽ። እዚ ገደብ ዋጋ ክልዕል እንተዘይተጌሩ፥ ሽወደን ዝተወሰኑ መድሃኒታት ጠቕሊላ ክትስእን …

Read More »

News Magazine ዜና መጽሄት -21-07-2023

Read More »

ኦረብሮ፥ ኣብ ኣፍደገ ቤት ትምህርቲ ሓደ ሰብኣይ ብጥይት ተቐቲሉ።

ብቕድሚ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ኮሙን ኦረብሮ ኣብ ኣፍደገ ቤት ትምህርቲ ሓደ ሰብኣይ ብጥይት ተወቒዑ ናብ ሆስፒታል ድሕሪ ምብጽሑ ምሟቱ ተገሊጹ። እቲ ተኹሲ ከባቢ ሰዓት 7፡00 ድሕሪ ቀትሪ እዩ ተፈጺሙ። ኣብቲ ከባቢ እትነብር ሓንቲ ኣደ፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ደቃ ንበይኖም ምውጽኦም ኣሻቒልዎ ምንባሩ ፡ ንናይ ከባቢ ቻነል ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ። ምስዚ ቅትለት ብዝተኣሳሰረ ዛጊት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ ሰብ የለን፡፡

Read More »

ህዝባዊ ሰልፊ ሽወደን ክሳብ ሕጂ ኣብ ገዛኢ ጥምረት ምህላዉ ምቾት ከም ዘይሃቦ ተገሊጹ።

መሪሕነት “ህዝባዊ ሰልፊ ሽወደን”፡ ብቀዳማይ ሚኒስተር ፔተሪ ኦርፖ (ኤንሲፒ) ዝምራሕ ጥሙር መንግስቲ ዘጋጠሞ ጸገማት ንምዝታይ ትማሊ ተጋቢኡ። “መሪሕነት ሰልፊ ምስቲ ዝሓለፈ ሰሙን ብጉጅለ ባይቶ ዝተቐበሎ መርገጺ ከም ዝሰማማማዕን፥ እቲ ኩነታት ከም ዘይተቐየረን ኣስተብሂሉ’ሎ። ኣብ መንጎ ኣርባዕቲኦም ኣቦ መንበራት ውድባት ዘተ ክቕጽል እዩ” ክትብል ሚኒስተር ትምህርቲ ኣና-ማጃ ሄንሪክሰን ኣብ ዝሃበቶ ሓጺር ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጻ። እቲ ኣኼባ ንመሪሕነት ሰልፊ ብዛዕባ መንግስቲ ሓበሬታ …

Read More »

ሰነድ መንነት ዘይብሎም ስደተኛታት ናብ ሽወደን ከይኣትዉ ክግበር እዩ።

መንግስቲ ሰነድ ዘይብሎም ስደተኛታት ብኣውቶቡሳት፣ ባቡራትን ጀላቡን ናብ ሽወደን ከይጓዓዙ ክኽልክል ድሌት ከም ዘለዎ ገሊጹ። ነዚ ዝምልከት እማመ ንኽምርመር ናብ ዝምልክቶም ተላኢኹ ኣሎ፡ እዚ ማለት ድማ ​​መንግስታዊን ካልኦትን ትካላት ብዛዕባኡ ርእይቶኦም ከካፍሉ ዕድል ክወህቦም እዩ። እቲ ሕጊ ብዙሓት ስደተኛታት ናብ ሽወደን ብምእታዎም፥ ክኽሰት ዝኽእል ምዝባዕ ህዝባዊ ስርዓትን ውሽጣዊ ድሕነት ንምሕላው ኣብ ጠቕሚ ክውዕል እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኣብ 2015 ሽወደን ኣዝዮም ብዙሓት …

Read More »

ዓበይቲ ባንክታት ሽወደን ብቢልዮናት ክሮና ይኸስባ።

ኣብ ካልኣይ ርብዒ ዓመት ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት፥ ኣርባዕተ ዓበይቲ ባንክታት ሽወደን ብድምር፥ ልዕሊ 50 ቢልዮን ክሮና መኽሰብ ረኺበን። ሃንድለስባንከን 8.8 ቢልዮን፥ ኖርዲያ 19.9 ቢልዮን፥ ኤስኢቢ 12.1 ቢልዮን ፥ ስዊድባንክ ኸኣ 11.4 ቢልዮን ክሮና መኽሰብ ኣመዝጊበን ኣለዋ። ጠቕላላ መኸሰብ እዘን ባንካታት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ 50 ቢልዮን ክሮና ኮይኑ፡ መዓልታዊ ብድምር 500 ሚልዮን ክሮና መኽሰብ ይረኽባ ምህላወን ዘመልክት እዩ። መኽሰበን …

Read More »

ናብ ዕዳጋታት ሓራጅ ዝከዱ ሰባት ኣዝዮም እናወሰኹ ይመጹ።

ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝተወደበ ዕዳጋታት ሓራጅ፡ ልዕሊ ዕጽፊ ቁጽሪ ሸየጥቲ ቦታ ክሕዛኣሎም ምምልካቶም ተገሊጹ። ማርያ ቪበሪ መስራቲትን ዳይረክተርን “ስቶክሆልም ስማርክናራ” ዝተባህለ ኣብ ከባቢ ስቶክሆልም ዓበይቲ ዕዳጋታት ሓራጅ ዝውድብ ኩባንያ እያ። ኣብዚ ዓመት፥ ተገዳስነት እዞም ዕዳጋታት ብናህሪ ምውሳኹን ብሰባት ምዕልቕላቚን ቪበሪ ትዛረብ። ምድኻም ባጤራ ክሮናን ክብሪ ዋጋታት ኣቕሑን፡ ሰባት ንዕዳጋታት ሓራጅ ከም ዝሓሰረ ኣማራጺ ከም ዝርእይዎም ይገብሮም ኣሎ። ኣብቲ ዕዳጋ እተረኽቡ …

Read More »

ኣብ መንደቕ ኮሎስየም ክሓናጥጥ እተረኽበ ጀርመናዊ ኣብ ኢጣልያ ቁጥዐ የልዕል።

ሓደ ወዲ 17 ዓመት ጀርመናዊ በጻሒ (ቱሪስት) ፡ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ሮማ ዝርከብ መንደቕ ኮሎስየም እናበላሽወ ከም ዝተታሕዘ ተገሊጹ። ኣብ መናድቕ እዚ ጥንታዊ ቦታ ብበጻሕቲ ምጽሓፍን ዕንወትን ስሩዕ ተርእዮ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ። እዚ ጀርመናዊ ኮተቴ ብ ካሜራታት ምክትታታል ከም እተቓልዐን፡ ኣብ ታሕተዋይ ደርቢ ናይዚ ኣብ ውርሻታት ዩኔስኮ እተመዝገበ ስራሓት ሕጡብ ምብልሻው ብምፍጻሙን ናብ ፖሊስ ጥርዓን ተጌሩሉ’ሎ። እዚ ኮተቴ ጥንታዊ ህንጻ …

Read More »

መንሽሮ መዓንጣ ኣብ ትሕቲ 50 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት ብዝያዳ ይርአ

መንሽሮ መዓንጣ ኣብ ትሕቲ 50 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት ብዝያዳ ይርአ ከም ዘሎ ኣገልግሎት ዜና ቴሌቪዥን ሽወደን ሓቢሩ። እዚ ድማ ብሰንኪ ለውጢ ኣነባብራ ብፍላይ ድማ ኣመጋግባን ዋሕዲ ኣካላዊ ምንቅስቓስን ዝተሓሓዝ ሽግር ምዃኑ ተገሊጹ። ብፍላይ ድማ ዝተመስርሐ ብልዒን ኣልኮላዊ መስተን ነዚ ሓደጋ ቀንዲ ረቛሒታት ኮይኖም፡ ከምኡ’ውን ልዕሊ ዓቐን ክብደትን እኹል ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘይምዝውታርን ካልኦት ምኽንያታት ተጌሮም ተጠቒሶም ኣለዉ።

Read More »

ፋልከንበርግ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሓደ ሰብኣይ ብበርቂ ተሃሪሙ።

ትማሊ ንግሆ ኣብ ክለብ ጎልፍ ፋልከንበርግ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሓደ ሰብኣይ ብበርቂ ተሃሪሙ። በቲ መጥቃዕቲ ልቢ እቲ ሰብኣይ ስርሓ ደው ምባላን፡ ሓካይም ቀዳማይ ረድኤት ድማ ቅድሚ ናብ ሆስፒታል ምውሳዱ ኣብቲ ቦታ ናይ CPR ቀዳማይ ሃገዝ ከም ዝገበሩሉን ተፈሊጡ ። እቲ ሰብኣይ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ከቢድ ግን ከኣ ርጉእ ኩነታት ከም ዘሎ ሆስፒታል ሃላንድ ሓቢሩ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኡፕሳላ ብፍሉይ ኣብ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com