Friday , April 26 2024

ምስ መድሃኒት “ኦክሲኮዶን” ዝተሓሓዝ ሞት እናበዝሐ ይመጽእ።

 

ኣብ ቀረባ ዓመታት ዝሞቱ ሰባት መድሃኒት “ኦክኪኮዶን” ብብዝሒ ከም እተረኽቦም ተገሊጹ። “ኦክሲኮዶን” ምስቶም ሃለዋት
ከም እተጥፍእ ዝገብሩ መድሃኒታት (ማለት ናርኮቲክስ) ዝምደብ ኮይኑ፥ ብዙሓት ተሓከምቲ ይእዘዘሎም ምህላዉ መርማሪት
ፕሮግራም ሬድዮ ሽወደን “ካልሊበር” ኣቃሊዓ። እዚ ከኒና ምስ ምምራዝ ካብ ዝተሓሓዙ መድሃኒታት ኣብ ልዑል ደረጃ ዝምደብ
ኮይኑ፡ ኣስታት 100 ሰባት ብሰንኪ ወልፊ እቲ ከኒና ምሟቶም እታ ፕሮግራም ወሲኻ ገሊጻ።
ሓደ ካብዞም ግዳያት፥ ብወልፊ ንብዙሕ ዓመታት ክሳቐ ዝጸንሐ ሊኔስ እዩ። ንሱ ካብ 14/15 ዓመት እናሃለወ ኣትሒዙ ነዚ ከኒና
ክወስድ ምጽንሑ፡ እንተኾነ ግና ቅድሚ ምሟቱ ነዚ “ናይ ዲያብሎስ ከኒና” እናበለ ዝጽውዖ ድራግ ዘለዎ ወልፊ እናወሰኸ
ምምጽኡ ኣቡኡ ይገልጽ።
ኦክሲኮዶን “ሲንተቲክ ኦፒዮይድ” ኮይኑ፡ ኣብ ዕዳጋ ሽወደን ካብ መወዳእታ 90ታት ኣትሒዙ ኣብ ብርክት ዝበሉ መድሃኒታት ከም
ዝርከብ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ብሰንኪ መንሽሮ ብርቱዕ ቃንዛ ንዘለዎም ሕሙማት ዝወሃብ እኳ እንተኾነ፥ ንገለ ሕሙማት ድሕሪ
መጥባሕቲ እውን ከም ዝእዘዘሎም ሕክምናዊ ጸብጻባት የመልክቱ። ካብ ቀረባ ዓመታት ኣትሒዙ፥ እዚ ከኒና ዝእዘዘሎም
ሽወደናውያን ብቚጽሪ ወሲኾም ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 360 ሽሕ ሽወደናውያን ነዚ ከኒና ከም ዝወሰዱ ኣብ 2021
“ብሃገራዊ ቦርድ ፎረንዚክ መዲሲን” ዝወጹ ኣሃዛት ብምጥቃስ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።
ኣቦ ሊኔስ “እዚ ብርቱዕ ወልፊ ዘትሕዝ ከኒና ብሓካይም ይእዘዝን ሰባት ከኣ ንኻልኦት ይህብዎም ምህላዎም ዘሻቕል እዩ”
ዝብል ርእይቶ ኣለዎ። እንተኾነ ግና “ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ድሕነትን” እቲ ሽግር እዚ መድሃኒት ብሓካይም ይእዘዝ ምህላዉ
ዘይኮነ፡ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ናብ ኢድ ሰባት ይኣቱ ምዃኑ እዩ” ኢሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com