Thursday , May 16 2024

ሓበሬታ

ማልታ፡ ካናቢስ ዝተባህለ ዕጸ ፋርስ፡ ሕጋዊ ገይራ

ማልታ ቀዳማይ ሚኒስተር

ሃገረ ማልታ፡ ካናቢስ ንዝተባህለ ዕጸ ፋርስ፡ ሕጋዊ ዝገብረት ቀዳመይቲ ኣባል ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ኮይና’ላ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። በዚ ድማ ካናቢስ ምዝራእ ከምኡውን ኣብ ውልቃዊ ተጠቃምነት ምውዓል ሕጋዊ ክኸውን እዩ። ባይቶ እታ ሃገር፡ ትማል ሰሉስ ኣብ ዘሕለፎ ድምጺ፡ 36 ደገፍ ብ 27 ተቓውሞ እቲ ዕጸፋርስ ሕጋዊ ተጠቃምነት ክህልዎ ተወሲኑ’ሎ። ዕድሜኦም ዝኣኸሉ ሰባት፡ ክሳብ ሸውዓተ ግራም ካናቢስ ክሕዙ ከምኡውን ኣብ …

Read More »

ሱዳን፡ ዝያዳ ሓይሊ ናብ ዶባት ኢትዮጵያ ተጸግዕ

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎ ወጥሪ ልዒሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ሓይልታት ሱዳን፡ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዳውቦም ከባቢታት፡ ተወሰኽቲ ሰራዊት ምስፋሮምን ተገሊጹ። እቲ ሰራዊት ናብ ህዝቡ ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ “ምንም ከይትሻቐሉ ብሰላም ደቅሱ” ምባሉ እቲ ዜና ወሲኹ ሓቢሩ። ብ 1 ታሕሳስ፡ ሱዳን፡ ሰራዊታ ኣብ ከባቢ ኣልፋሽቓ ዝነበረ ሰፈራታት ኢትዮጵያ ብምፍራስ ነቲ ቦታ ከም እተቘጻጸርዎ ገሊጾም ምንባሮም ዝዝከር እዩ። ብ 27 ሕዳር …

Read More »

ሸውዓተ ስደተኛታት፡ ኣብ ሓደጋ መኪና፡ ሞይቶም

ስደተኛታት ጽዒና፡ ኣብ ደቡብ ሃንጋሪ እትርከብ ምስ ሃገረ ሰርብያ እትዳወብ ከተማ ሞራሃሎም፡ ትጓዓዝ ዝነበረት መኪና፡ ካብቶም ኣብ ብሎኮ ዝነበሩ ፖሊስ ንምህዳም ኣብ ትሕምበበሉ ዝነበረት እዋን፡ ምስ ሓደ ናይ ዕምባባ ዱኳን ድሕሪ ምግጫዋ፡ ሸውዓተ ካብቶም ኣብታ መኪና ተጻዒኖም ዝነበሩ ስደተኛታት፡ ሂወቶም ክስእኑ ከምዝኸኣሉ ፖሊስ እቲ ከባቢ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። መንነት ናይቶም ዝሞቱ ስደተኛታት ዝፍለጥ እኳ እንተዘይኮነ፡ ደቂ ተባዕትዮ …

Read More »

ማሕበራዊ ሞዴል ሃገረ ሽወደን . . . 4ይ ክፋል . . . ሰብኣዊ መሰላት

ባይቶ ሽወደንን ሃገራዊን ዞባዊን ብርኪታት ናይ መንግስታዊ ምሕደራታትን ብኹሎም፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንኸየጋጥም ናይ ምርግጋጽ ሓላፍነት ኣለዎም። ናይ መንግስቲ ናይ ነዊሕ እዋን ውጥን ድማ፡ ዘይተጓደለ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ሽወደን ምርግጋጽ እዩ። ኣብ ሽወደን፡ ሰብኣዊ መሰላት ብቐዳምነት በቲ ቅዋምን ካልኦት ሕግታትን ኣቢሉ እዩ ዝሕሎ። ብተወሳኺ ድማ እቲ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላትን መሰረታዊ ናጽነታትን ዋዕላ ኣውሮጳውያን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሕጊ፡ ኣብ ሽወደን’ውን ከም …

Read More »

ኣብ ቤት- ማእሰርቲ ብዘጋጠመ ለበዳ ኮቪድ፡ ሓደ ክፍሊ፡ ተዓጽዩ

ኣብ ሽወደን ዝዓበየ ምዃኑ ዝንገረሉ ኣብ ቨነሽቦሪ ዝርከብ 130 እሱራት ዘአንገደ ክፉት ቤት-ማእሰርቲ ኦስትራጎርድ፡ ብሓያል ማዕበል ለበዳ ኮቪድ-19 ከም ዝተጠቕዐ ተሓቢሩ፡፡ ክልቲኦም ወገናት፡ ማለት እሱራትን ሰራሕተኛታት እቲ ቤት-ማእሰርትን ስለ ዝሓመሙ፡ ሓደ ክፍሊ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ተዓጽዩ ከምዘሎ ሓያሎ መራኸቢ ብዙሃን ጸብጺበን ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ፡፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ፡ ናይ መጀመርታ ግዳይ ዝተረኽበ ክኸውን እንከሎ፥ ሕጂ ግን፡ እቲ ሕማም …

Read More »

ሆላንድ . . . ናይ ለይቲ ዕጽዋ ከም ዝናዋሕ ኮይኑ

መንግስቲ ሆላንድ፡ ምስፍሕፋሕ ሓድሽ ጅር ኦሚክሮን ንምግታእ ብምባል ኣዊጅዎ ዘሎ እዋን ናይ ለይቲ ዕጽዋ፡ ክሳብ ዕለት 14 ጥሪ ከምዘናወሖ ብመንገዲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ማርክ ሩተ፡ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ናይ ለይቲ ዕጽዋ፡ ካብ ሰዓት 5 ድ.ቀ ክሳብ 5 ቅ.ቀ. ዝጸንሕ እዩ። ኣብያተ ትምህርታት፡ ካብቲ ተመዲቡ ዝነበረ ግዜአን፡ ሓደ ሰሙን ቀዲመን፡ ካብ ዕለት 20 ታሕሳስ ጀሚረን በዓላት ክሪስትማስ ክጅምራ እየን። …

Read More »

ናብ ዓዲ ጣልያን ንምብጻሕ፡ ውጽኢት መርመራ ኮቪድ፡ ክሕተት እዩ

ካብ ዕለት 16 ታሕሳስ ክሳብ 31 ጥሪ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ናብ ዓዲ ጣልያን ክበጽሑ ዝደልዩ ዜጋታት ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ካብቲ ዝብገስሉ ቦታ እንከለዉ፡ ውጽኢት መርመራ ኮቪድ ሒዞም ክመጹ ከምዘለዎም ሚኒስትሪ ጥዕና ጣልያን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ ዝኾነሉ ዘሎ ምኽንያት ድማ፡ ብሰንኪ ሓድሽ ጅር ኦሚክሮን ዝረአ ዘሎ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ንምግታእ ተባሂሉ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ምዃኑ እቲ ቤት ጽሕፈት ገሊጹ። …

Read More »

ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ናይ ክታበት፡ እናጎደለ መጺኡ

ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ናይ ጸረ ኮቪድ-19 ዝኾነ ክታበት፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ፡ ብፍላይ ኣብ ዓንኬል ሰራሕተኛታት ጥዕና፡ ብርኡይ ክጎድል ከምዝተራእየ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ምስ ጋዜጣ ስቬንስካ ዳግብላደት ኣብ ዝገበሮ ርክብ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ሰራሕተኛታት ጥዕና ኣብ ክልተ ጉጅለ ‘ዮም ተመቒሎም፣ ሓደ ጉጅለ ኣብ ወርሒ ለካቲት፡ እቲ ካልኣይ ጉጅለ ድማ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝተኸትቡ እዮም …

Read More »

ስቶክሆሎም፡ ክልተ ሆስፒታላት፡ ኣብ መድረኽ “ስታፍ ሞድ” (Staff Mode) ኣትየን

ኣብ ስቶክሆሎም ዝርከባ፡ ሆስፒታል ሶደርኹክሁሰትን ዳንድሪድን፡ ብሰንኪ ብዝሒ ሕሙማት ኮቪድ-19 ን ወቕታዊ ሕማም ኢንፍሉዌንዛን፡ ሓደጋታት ሸተት ኢልካ ምውዳቕን ዘስዓቦ ዕልቕልቕ፡ ናብ “ስታፍ ሞድ” ዝተባህለ መድረኽ ከምዝተሰጋገራ ሬድዮ P4 ስቶክሆሎም ኣቃሊሑ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። “ስታፍ ሞድ” ማለት፡ ምምሕዳር እቲ ሆስፒታል፡ ኣብ መንጎ ኣባላቱ፡ ግዝያዊ ዝኾነ ዳግመ ስርርዕ ምግባርን ኣየናይ ኣባል ኣበየናይ ቦታ ክኸውን ከምዝግባእ ዘኽእል መድረኽ እዩ። እዚ ዓይነት …

Read More »

ኣውስትራልያ፡ ቀይዲ ዕጽዋ ኣልዒላ

ሃገረ ኣውስትራልያ፡ ነቲ ቅድሚ ክሪስትማስ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ቀይድታት ዕጽዋ ክለዓል ምዃኑ ቃል ኣትያ ብምንባራ፡ ዋላ’ኳ መጠን መልከፍቲ ኮቪድ ልዑል እንተኾነ፡ ዝነበራ ቀይድታት ዕጽዋ ከም ዝለዓል ገይራ ኣላ። ኣስታት 89% ካብቶም ልዕሊ 16 ዓመት ዝኾኑ ዜጋታት እታ ሃገር፡ ምሉእ እብረ ክታበት ዝወሰዱ ብምዃኖም፡ ዝተወስደ ውሳነ ምዃኑ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ካብ ጽባሕ ረቡዕ ጀሚሩ፡ ምኽዳን ማስክ፡ ዘይተኸትቡ ሰባት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com