Friday , May 3 2024
Police technicians at work at the crash site in Mórahalom (Ferenc Donka/MTI via AP) MTI103

ሸውዓተ ስደተኛታት፡ ኣብ ሓደጋ መኪና፡ ሞይቶም

ስደተኛታት ጽዒና፡ ኣብ ደቡብ ሃንጋሪ እትርከብ ምስ ሃገረ ሰርብያ እትዳወብ ከተማ ሞራሃሎም፡ ትጓዓዝ ዝነበረት መኪና፡ ካብቶም ኣብ ብሎኮ ዝነበሩ ፖሊስ ንምህዳም ኣብ ትሕምበበሉ ዝነበረት እዋን፡ ምስ ሓደ ናይ ዕምባባ ዱኳን ድሕሪ ምግጫዋ፡ ሸውዓተ ካብቶም ኣብታ መኪና ተጻዒኖም ዝነበሩ ስደተኛታት፡ ሂወቶም ክስእኑ ከምዝኸኣሉ ፖሊስ እቲ ከባቢ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

መንነት ናይቶም ዝሞቱ ስደተኛታት ዝፍለጥ እኳ እንተዘይኮነ፡ ደቂ ተባዕትዮ ምንባሮም ግን ተሓቢሩ።

ነታ መኪና ዝመርሓ ዝነበረ ሰብ፡ ወዲ ሰርብያ ኮይኑ፡ ካብቲ ሓደጋ ከምዝወጸን፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተወን፡ ፖሊስ እቲ ከባቢ ኣፍሊጡ።

ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ዱኳን ዝነበሩ ሰባት፡ ዝወረደ ጉድኣት ከምዘየለ ተገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com