Monday , May 20 2024

ሓደጋ

ስተፋን ሎቨን፡ ንኹሉ ብምዕጻውና ካብ ቫይረስ ክንገላገል ኣይንኽእልን ኢና።

ጽልዋ ቅልውላው ቫይረስ ኮሮና ኣብ ልዕሊ ሽወደን ንዝነወሐ እዋን ዝጸንሕ እዩ። ንኹሉ ብምዕጻው ካብ ቫይረስ ክንገላገል ንኽእል ኢና ዝበሃል ሓሳብ ክትኣምኖ ቀሊል እዩ። ይኹን እምበር፡ ክኢላታት ከምዝሕብርዎ፡ እቲ ቫይረስ እንደገና ክመጽእ ተኽእሎታት ከምዘለዎ እዩም ዝሕብሩ ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቪን ሓቢሩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሽወደን፡ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ከምዝዝርጋሕን ንንውሕ ዝበለ እዋን ክጸንሕ ከምዝኽእልን ተረዲእና ነቲ ብበዓል …

Read More »

ዝበዝሑ ሽወደናውያን ኣብ ልዕሊ ኮሮና ተወሳኺ ስጉምትታት ክውሰዱ ድሌት ከም ዘለዎም ይገልጹ።

ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ ቊጠባ ዝተኻየደ ሓድሽ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ ሰለስተ ርብዒ ካብ ህዝቢ ሽወደን ለበዳ ኮሮን ንምዕጋት ዝግበር ዘሎ ወፍሪ እዂል ኣይኮነን ኢሎም ከም ዝኣምኑ፥ 40% ዝኾኑ ከኣ ኣብ ከተማታት ግዜያዊ ሰዓት እቶ እቶ እንተተኣወጀ ቅር ከም ዘይብሎም ጸብጻብ ኣፍቶንብላዴት ኣመልኪቱ። እዚ ኣብ መፋርቕ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ሽወደናውያን ብዛዕባ እዚ ሕማምን ኣገባብ ኣተኣላልያኡን ዘለዎም ሓፈሻዊ ርእይቶ ንምግምጋም ዝተኻየደ …

Read More »

ቲግኒል፡ ቁጽሪ ናይ ዝሞቱ ሰባት ብመጠኑ ከምዝጎደለ ይገልጽ።

ኣብ ሽወደን፡ ቁጽሪ ናይቶም ብሕማም ኮቪድ-19 ዝሞቱ ሰባት ብመጠኑ ከምዝጎደለ ኣማኻሪ ጉዳያት ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ኣንዲሽ ቲግኒል፡ ሓቢሩ። ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ብዙሓት ሰባት ምሟቶም ዘተሓሳስብ ጉዳይ ምዃኑን እቲ ብዝሒ ከም ኣሃዝ ተቖጺሩ ክስገር ከምዘይግባእ ብምጥቓስ ንምዕባለታት ወድዓዊ ኩነታት ቅልውላው ቫይረስ ክንርደኦ ከምዘሎና ኣዘኻኺሩ። ኣብ ሽወደን፡ መጠን ዝርገሐ ለበዳ ቫይረስ ለውጢ ብዘይብሉ መንገዲ ይቕጽል ኣሎ። ይኹን እምበር ኣብ ገለ ከም በዓል ኖርቦትን …

Read More »

ሸውዓተ ኣብያተ መስተ ማልም ሰባት ብብዝሒ ይዘናግዑለን ኣለዉ ተባሂሉ።

ኮሚተ ከባቢ ኣብ ከባቢ ማልም ዝርከባ ሸውዓተ ባራትን ኣብያተ ሻሂን ሰባት ብዝሕ ኢሎም ይዘናግዑለን ኣለዉ ክብል ኣጠንቂቑ። እቲ ምምሕዳር 32 ኣብያተ መስተን ሻሂን ምምርማሩን ንሸሞንተ ካብኣተን ቅልል ዝበለ ፍተሻ ከም ዝገበረለንን ጸብጻብ TT የመልክት። እዚ ኣታሕዛ ኣብ ዮምኮፒን ዝሓሸ ከም ዝመስል ድማ ተመልኪቱ። “ኣባና ኲነታት ደሓን ኣሎ” ክብል ዳይረክተር ኣሃዱ መግቢ ምምሕዳር ዮምኮፒን ንሬድዪ P4 ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ። ኣብ …

Read More »

መራሕቲ ታክሲ ግዳያት ኮሮና ቫይረስ ይኾኑ።

ምንሽርታት በረድ ንምጽዋት ካብ ኦስትርያን ጣልያንን ዝመጹ ቱሪስት ኣብ ኣርላንዳ ዘዛውሩ ዝንበሩ ሰብ ታክሲ ብሕማም ኮሮና ምልካፎም SVD ጸብጺቡ። ዘዋሪ ታክሲ ረዛቕ ኻላፍ ኣብ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዳሕረዋይ ሰድያ ታክሲኡ ዝነብሩ ተሳፈርቲ ጽምዲ ይስዕሉ ምንባሮም ይዝክር። ደሓን ዲኹም ኢሉ ከም ዝሓተቶምን ንሳቶም ሰዓል ከም ዝሓዞምን ምንም ዘሻቕል ነገር ከም ዘየለን ከም ዝነገርዎ ይገልጽ። ድሕሪ ሒደት መዓልታት ምልክታት ኮሮና ምምዕባሉን …

Read More »

ሽወደን ኣብ ኣብያተ መግብን መስተን ተወሳኺ ስጉምቲ ትወስድ።

ሽወደን ኣብ ኣብያተ መግቢ ዝካየድ ምክትታል ክትውስኽ ኣብ ትሸባሸበሉ ዘላ እዋን ዓማዊል ተፈናቲቶም ክእንገዱ ምግባር ዓብዪ ግድል ይኾኖም ምህላዉ ወነንቲ እዘን ትካላት ይዛረቡ። መንግስቲ ሽወደን ኣብ ባራት፥ ኣብያተ መግቢን ሻሂን  ስጋብ ምዕጻው ስጉምትታት ኣብ ትገብረሉ ዘሎ እዋን ዓማዊል ዘድሊ ሕግታት ኣብ ምትግባር ክተሓባበሩ ብዛዕባ ምዃኖም ግድል ኮይንዎም ምህላዉ ወነንቲ እዘን ትካላት ይገልጹ ኣለዉ። ኣብ ማእከላይ ስቶክሆም ወነንቲ ካፌን ቤትመግቢም ዝኾነ …

Read More »

ብተዛማዲ ዝበዝሑ ግዳያት ኮሮና ዘለውወን ኮምዩናት ስቶክሆልም።

ኣብ ሽወደን ብኮሮናቫይረስ ልዕሊ 2200 ሰባት ግዳይ ሞት ኣብዝኾንሉ፣ ስሚትኺድ ስቶክሆልም ዚብሃል ትካል ነቲ ለበዳ ኣመልኪቱ ኣብ ኮምዩናት ስቶክህሎም ምስ ብዝሒ ተቐማጦ ብምዝማድ ክንደይ ሰባት ከም ዝሞቱ ሓቢሩ ኣሎ። ከተማ ስቶክሆልም እታ ኣዚያ እተጎድአት ክተማ ከም ሙዃና መጥርን፣ ካብ 16,755 እተለኽፉ፡ ኣስታት  6,681 ካብዛ ከተማ እዮም። ካብቶም ኣብዛ ሃገር ዝሞቱ 2,021 ድማ  እቶም 1,128 ካብ ስቶክሆልም እዮም። እቲ ትካል ቀጺሉ …

Read More »

ሎቨን፣ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ዝበዓል ቫልቮርይ ሰባት ጥንቃቐ ክገብሩ ይመክር።

ምስ እዚ ዘሎ ጽቡቅ ክሊማ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ዜጋታት ብዛዕባ ለበዳ ኮሮና ጥንቃቐኦም ክቕጽሉ ኣተሓሳሲቡ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ስቲፈን ሉፊን ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ ቃል ምስ ምውዓይ ክሊማ ዜጋታት ኣብ ጒዳይ ለበዳ ኮሮና ክገብርዎ ዝጸንሑ ጥንቃቐታት ክቕጽሉሉ ኣተሓሳሲቡ። ንሱ በዓል ቫልቮርይ ምኽንያት ብምግባር ተመሃሮ ኣብ ዩኒቨርሲቲን ከተማታትን ዝገብርዎ ያታዊ ምትእኽኻብ ኣመልኪቱ እዩ ነዚ መጠንቀቕታ ዘመሓላለፈ። ዛጊት ሽወደን ምንም ናይ ኣብ ቤትካ …

Read More »

ፖሊስ ሓደጋ ንምንካይ ኣብ ወርሒ ሚያዝይ ስጉምቲ ክወስድ ሙዃኑ ይሕብር።

ካብ 20 ክሳብ 26 ሚያዝያ ኣብ ዘሎ ግዜ ናህሪ መካይን ንምዕጋት ስጒምቲ ክውሰድ ሙዃኑ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ትራፊክ ሽወደን ይሕብር። ፖሊስ ሽወደን ካብ 20-26 ሚያዝያ ኣብ ዘሎ ሰሙን መዓልታት ትራፊክ ብምእዋጅ ናህሪ መካይን ብካሜራታት ንምቊጽጻር ክሰርሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ። ክኢላ ስትራቴጂ ትራፊክ ኡርሱላ ኤድስትሮም ኣብ መርበብ ፖሊስ ኣብ ዝዘርግሓቶ ሓበሬታ ምጒዳል ናህሪ ኣብ ምንካይ ሓደጋ ትራፊክን ሞትን ዓብዪ ኣስተዋጽኦ ከም ዘለዎ …

Read More »

በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ባና ትስፉው መዓልታት ይረኣዮ ምህላዉ ተገሊጹ።

በዓልመዚ ሕዝባዊ ጥዕና ብመስረት ኣብዚ እዋን ዝርኤ ዘሎ ዝርግሔ ለበዳን ብዝሒ ሞት ግዳያት ኮቪድ-19 ካብ ግዜ ናብ ግዜ ምንቁልቛሉ ገሊጹ። ነዚ ኣመልኪቱ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ለበዳታት ኣንደርስ ቴግኔል ምስ ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ህልዎ ኩነታት ሽወደን ኣብ ምቁጽጻር ለበዳ ኮቪድ- 19 ትስፉው ምዃኑ ገሊጹ። ኣብ ሽወደን ለበዳ ኮሮና ኣዝዩ ምንካዩን ቊጽሪ ሓደስቲ ተለበድቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣጸቢቑ ምጒዳሉን ድማ ገሊጹ። …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com