Saturday , May 11 2024

በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ባና ትስፉው መዓልታት ይረኣዮ ምህላዉ ተገሊጹ።

በዓልመዚ ሕዝባዊ ጥዕና ብመስረት ኣብዚ እዋን ዝርኤ ዘሎ ዝርግሔ ለበዳን ብዝሒ ሞት ግዳያት ኮቪድ-19 ካብ ግዜ ናብ ግዜ ምንቁልቛሉ ገሊጹ። ነዚ ኣመልኪቱ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ለበዳታት ኣንደርስ ቴግኔል ምስ ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ህልዎ ኩነታት ሽወደን ኣብ ምቁጽጻር ለበዳ ኮቪድ- 19 ትስፉው ምዃኑ ገሊጹ። ኣብ ሽወደን ለበዳ ኮሮና ኣዝዩ ምንካዩን ቊጽሪ ሓደስቲ ተለበድቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣጸቢቑ ምጒዳሉን ድማ ገሊጹ።

ኣብ ወርሓ ሚያዝያ ዝለዓለ ኣሃዝ ምርካቡን ክሳብ 700 ምብጽሑን ኣብ ቀረባ መዓልታት ግና ናብ 400 ጥራይ ምውራዱን ድማ ኣመልኪቱ። እንተኾነ ግና ዛጊት ዝሞቱ ከም፡ዝህልዉን ጨሪሱ ክሳብ ዝጠፍእ ገለ ግዜ ክሓትት ምዃኑን ኣስሚሩሉ’ሎ። ሕጂ እውን እንተኾነ ሰባት ኣብ ኣተሓሕዛን ኣታኣላልያን ኮሮና ቫይረስ ብዘርእይዎ ዘልዉ ሸለልትነት ከምዘተሓሳስቦ ይገክጽ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com