Friday , May 17 2024

ቁጠባ

ክፉት ክረምታዊ ስራሕ

ኣብ ዕዳጋታት ስራሕ ዘሎ ኩነታት ከቢድ ምዃኑ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ: ክረምታዊ ስራሕ ንምርካብ ግን ዘሸግር ኣይኮነን ክብል ቤት ጽሕፈት ኣርቤትፎርሜድሊን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብዚ ሕጂ እዋን: ቤት ጽሕፈት ኣርቤትፎርሜድሊን: 24 ሽሕ ክረምታዊ ስራሕ ኣዳልዩ ምህላዉ ጸብጻባት እቲ በዓል መዚ ገሊጹ። ኣብዚ ዓመት እዚ: ዝኣክል ምውዕዋዕ እኳ እንተ ዘይተገብረ: ኣብ ዕዳጋታት ስራሕ: እኹል ዝኾኑ ዕድላት ስራሕ ኣለዉ። ብፍላይ …

Read More »

ሰሙናዊ ጸብጻብ ሽቕለት ኣልቦነት

መጠን ሽቕለት ኣልቦነት፡ ምንቁልቋሉ ይቕጽል ምህላዉ ቤት ጽሕፈት ኣርቤትስፎርሜድሊን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ 6600 ሰባት ስራሕ ኣልቦ ክኾኑ እንከለዉ፡ 10,500 ሰባት ድማ ናብ ስራሕ ወይ ድማ ናብ ትምህርቲ ከምዝተመልሱ ጸብጻባት እቲ ቤት ጽሕፈት ገሊጹ። ጠቕላላ ብዝሒ ናይቶም ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት 416 ሽሕ ብምብጽሑ እቲ መጠን፡ ካብ 8.1% ናብ 8.0% ወሪዱ ክብል እቲ ቤት ጽሕፈት …

Read More »

Harmony Media news 24 May 2021

Read More »

ሓድሽ እማመ፡ ግብሪ ባንክ

  ሓድሽ እማመ ግብሪ ባንክ፡ ብመንግስቲ ሽወደን ምቕራቡ፡ ሬድዮ ኢኮት ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዚ እማመ፡ ንኣብ ሽወደን ዝርከባ ባንክታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ነተን ኣብ ካልእ ሃገራት ዝርከባ ጨናፍር ውን፡ ግብሪ ክኸፍላ ዝእምም እዩ ክኸውን ክትብል፡ ሚኒስተር ፋይናንስ ሽወደን፡ ማግደሊና ኣንደርሾን፡ ገሊጻ። እዘን ባንክታትን ናይ ልቓሕ ትካላትን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ናይ 150 ቢልዮን ክሮነ ዕዳ ከምዘለወን ዝፍለጥ …

Read More »

ሃገረ ስፓኛ፡ ንበጻሕቲ ኣፍደጊኣ ትኸፍት

ካብ ዕለት 07 ሰነ ጀሚራ፡ ሃገረ ስፓኛ፡ ንኹሎም ናብታ ሃገር ክበጽሑ ዝደልዩ ዝተኸትቡ ገያሾ፡ ኣፍደጊኣ ክፉት ክኸውን ምዃኑ ብመንገዲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ፔድሮ ሳንቼዝ፡ ኣቢላ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዚ ይኹን እምበር፡ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመጹ ገያሾ ግን ካብ ጽባሕ ሰኑይ ጀሚሮም ናብታ ዓዲ ክኣትዉ ከምዝኽእሉ፡ ስፖኛ፡ ሓቢራ። ኣብ መጨረሽታ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት፡ ቱሪዝም ኣብ ስፓኛ፡ ክሳብ 60% …

Read More »

ጆ ባይደን: ኣብ ልዕሊ መትረብ ሩስያ: ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳ ኣልዒሉ

ምምሕዳር ባይደን: ነቲ ንጀርመርንን ሩስያን ዘረኽብ: ስትሪም ቱ ፕሮጀክት: ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቱቦ ዝሃንጽ ዝነበረ ኲባንያ: ተጻዒንዎ ዝነበረ እገዳ ክለዓል ምግባሩ ቢቢሲ ሓቢራ። ብዘይካ’ዚ: ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መሻርኽቲ ፑቲን ምዃኑ ዝፍለጥ ኣካያዲ እቲ ስራሕ ተጻዒኑ ዝነበረ እገዳ እውን ኣልዒላቶ ኣላ። ካልኦት ኣብ ህንጸት እዚ ፕሮጀክት ዝተዋፈራ ኣርባዕተ መራኽብ ሩስያ እውን እገዳ ኣጽኒዑ እኳ ኣንተነበረ፡ እቲ መትረብ ካብ ምህናጽ ከም ዘይዓገቶ ተንተንቲ …

Read More »

ሃገረ ማላዊ: ግዚኡ ዝሓለፈ ክታበት ኣቃጺላ።

ሃገረ ማላዊ: 19,610 ብልቃጥ ክታበት ኣስትራዘነካ ብምቅጻል: ከምዚ ዝበለ ስጒምቲ ዝወሰደት ቀዳመይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና’ላ። ግዜኦም ዝሓለፎም ክትባት ውጽኢታውያን ኣይኮኑን ዝብል ምኽሪ: ማእከል ምቊጽጻር ሕማም ኣፍሪቃ ብምኽታል: ነዚ ስጒምቲ ምውሳዳ ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ’ሎ። ኔሽን ኦንላይን ዝተባህለ ማዕከን ዜና እታ ሃገር: እቲ ክትባት ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር: ሊሎንግወ: እናተቓጸለ ዘርኢ ስእሊታት ፈንዩ’ሎ።

Read More »

ፖሊስ ሽወደን…. ብድሆታት እካ እንተ ሃለወና: ዕላማና ክንወቅዕ ኢና

ፖሊስ ሽወደን: ብጉዳይ ዓቅሚ ሰብ ኣመልኪቱ ብደሆታት የጋጥሞ ከምዘሎ’ኳ  እንተሓበረ: ነቲ ኣብ መወዳእታ ናይ ዓመተ 2024: ተወሰኽቲ 10 ሽሕ ሓደስቲ ኣባላት ፖሊስ: ናይ ምቁጻር ዕላምኡ ግን ከምዘየተዓናቅፎ ኣብ መርበብ ሓበረታ በዓል መዚ ፖሊስ ጽሒፉ ክብል ማዕከን ዘና ተተ ኣቃሊሑ። ካብቶም ክቆጽሮም መዲቡ ዘሎ ሓደስቲ ኣባላት ፖሊስ፡ እቶም 70% ኣባላት ወተሃደራዊ ፖሊስ ክኾኑ  እንከለዉ: እቶም ዝተረፉ 30% ድማ: ሲቪል ፖሊስ ክኾኑ …

Read More »

ብሪጣንያ: ናይጀርያዊ ኣመሓዳሪ ነበር: ዝሰረቖ 5.8 ሚልዮን ዶላር: ናብ ሃገሩ ትመልስ

ናይጀርያዊ ኣመሓዳሪ ነበር: ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ናብ ብሪጣንያ ዘሰጋገሮ 5.8 ሚልዮን ዶላር (4.2 ሚልዮን ፖውንድ): ናብ ሃገሩ ክምለስ ምግባራ ሰብ መዚ ናይጀርያ ገሊጾም። ኣመሓዳሪ ክልል ደልታ ነበር: ጄምስ ኢቦሪ: ካብ 2012 ኣትሒዙ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ ከም እተኸሰሰ ዝፍለጥ እዩ። ንሱ ካብታ ብዕደና ነዳዲ ዝበልጸገት ክልል፡ ክሳብ 165 ሚልዮን ዶላር ከም ዝሰረቐ ዓቀብቲ ሕጊ ይገልጹ። ዛጊት ብስም በዓልቲ ቤቱ፥ ሓብቱን እሙን ወኪሉን …

Read More »

ቻይና: ሰማይ ጠቀስ ህንጻ: SEG Plaza: ብምንቅጥቃጡ ነጋዶ ይግዕዙ

ኣብ ደቡብ ቻይና ኣብ እትርከብ ከተማ: ሸንዠን: ዝርከብ ልዕሊ 70 ደርቢታት ዘለዎ ሰማይ ጠቀስ ህንጻ: ትማሊ ሰሉስ: ከንቀጥቅጥ ብምጅማሩ ኣብኡ ዝሰርሑ ዝነበሩ ነጋዶ፡ ከም ዝግዕዙ ይግበር ምህላዉ ተገሊጹ። እዚ ህንጻ፡ ኣብ ሕምብርቲ እዛ 12 ሚልዮን ህዝቢ ዝቕመጣን ዕሙር ዕዳጋን ኢንዱስትሪ ቴክኖሎጂን ዘለዋ ከተማ ዝርከብ እዩ። እዚ 300 ሜትሮ ዝንውሓቱ ህንጻ SEG Plaza ስለምንታይ የንቀጥቅጥ ምህላዉ ሰብመዚ እታ ከተማ ገና ኣብ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com