Thursday , May 2 2024

ቻይና: ሰማይ ጠቀስ ህንጻ: SEG Plaza: ብምንቅጥቃጡ ነጋዶ ይግዕዙ

ኣብ ደቡብ ቻይና ኣብ እትርከብ ከተማ: ሸንዠን: ዝርከብ ልዕሊ 70 ደርቢታት ዘለዎ ሰማይ ጠቀስ ህንጻ: ትማሊ ሰሉስ: ከንቀጥቅጥ ብምጅማሩ ኣብኡ ዝሰርሑ ዝነበሩ ነጋዶ፡ ከም ዝግዕዙ ይግበር ምህላዉ ተገሊጹ።

እዚ ህንጻ፡ ኣብ ሕምብርቲ እዛ 12 ሚልዮን ህዝቢ ዝቕመጣን ዕሙር ዕዳጋን ኢንዱስትሪ ቴክኖሎጂን ዘለዋ ከተማ ዝርከብ እዩ። እዚ 300 ሜትሮ ዝንውሓቱ ህንጻ SEG Plaza ስለምንታይ የንቀጥቅጥ ምህላዉ ሰብመዚ እታ ከተማ ገና ኣብ ምጽራይ ምህላዎም ተሓቢሩ።

ኣብታ ከተማ፡ ዝኾነ ዓይነት ናይ መሬት ምንቅጥቃጥ ከም ዘይተኸስተ ዘመልከተ እቲ ሓበሬታ፡ ምኽንያት ምንቅጥቃጥ እቲ ህንጻ ጋን ኣእትዩሎም ከም ዘሎ ወሲኹ ገሊጹ።

ካብ ዝስራሕ፡ 20 ዓመታት ዝገበረ እዚ ሰማይ ጠቀስ ህንጻ፡ ናይ ኤለትሮኒክስ ዱካናትን ኣብያተ ጽሕፈትን ከም ዝርከብዎ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com