Saturday , May 18 2024

ዜና ቀዳመ ሰንበት

“ስለምንታይ እዮም ዱካናትን ኣብያተ መግቢን ኣብ ወርሒ ሓምለ ዕጹዋት ዝኾኑ”

ሽወደናውያን ሰራሕተኛታት ፋብሪካ፡ ንዕረፍቲ ዝወጹሉ ወቕቲ (ኢንዳስሪሰመስተር)፡ ብያታ ካብ ኣዋርሕ ሰነ ክሳብ መወዳእታ ሓምለ ብምንባሩ፡ ኣብ እዋን ሳመር ዝበዝሑ ዱካናትን ኣብያተ መግቢን ሸወደን ተዓጽዮም ከም ዝረኣዩ፡ ሬድዮ ሽወደን “ስለምንታይ እዮም ዱካናትን ኣብያተ መግቢን ኣብ ወርሒ ሓምለ ዕጹዋት ዝኾኑ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘቃልሓቶ ዜና ገሊጻ። ኢንዳስሪሰመስተር ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሽወደን ግዜኡ ዝሓለፎ እኳ እንተኾነ፡ ነዚ ያታ ምኽንያት ብምግባር …

Read More »

ዶክተራት ሽወደን ክትባት ጸረ ማንኪፖክስ ክወሃብ ጸዊዖም።

ብምኽንያት ምውሳኽ ሓደስቲ ሕሙማት ማንኪፖክስ፡ ዶክተራት ሽወደን ክትባት ጸረ ማንኪፖክስ ክወሃብ ይጽውዑ’ለዉ። ምስ ካልኦት ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ብምውድዳር፡ ማንኪፖክስ ብ 25% ዝያዳ ተሓከምቲ ሆስፒታል ከም ዘኸትል፡ እቶም ሓካይም ወሲኾም ሓቢሮም ኣለዉ። ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ሶደርስዩክሰት ዋና ሓኪም ፊን ፍለን “እዚ ኲነታት ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣሸጋሪ ናብ ዝበሃል ደረጃ በጺሑ’ሎ፡ ስሩዕ ስራሕና ከይነሰላሰል ዕንቅፋት ኮይኑ’ሎ” ብምባል ንኣሻቓልነት እቲ …

Read More »

ኖርወይ፡ ዋጋ ዓሳ መርሉሶ ኣዝዩ ይኸብር።

ብምኽንያት ኲናት ዩክሬይን፡ ንሱ ዘምጽኦ እገዳን ዋሕዲ ኮታን፡ ዋጋ ዓሳ መርሉሶ ኣዝዩ ወሲኹ ምህላዉ ኖርወይ ቱደይ ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ገሊጻ። ኣብ መላእ ወቕቲ ኣየት፡ ዋጋ ዝበረደ ዓሳ መርሉሶ ንኺሎ 50 ክሮና ኖርወይ ምብጽሑ እዚ ድማ ምስ ናይ ዓሚ እንክወዳደር፡ ብ 15-20 ክሮና ከም ዝልዕል E24 ኣመልኪቱ። እዚ ወሰኽ፡ ኣብቲ ኣብ ኖርወይን ሩስያን ዝምርኮስ ዝነበረ ኢንዱስትሪ ዓሳ ብሪጣንያ ጽልዋ ምሕዳሩ እቲ …

Read More »

መጥቃዕቲ ቪስቢ ግብረሸራዊ ክኸውን ከም ዝኽእል ተገሊጹ።

ምርእይቲ ሽወደናዊት ሓኪም ስነ-ኣእምሮ ኢንግ-ማረ ቨሰልግረን፡ ኣብ ሰሙነ ኣልመዳሌን ኣብ ቪስቢ ብስሕለት ተወጊኣ ግዳይ ሞት ዝኾነትሉ ፍጻመ፡ ግብረሸራዊ ክኸውን ከም ዝኽእል ተገሊጹ። ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ብዛዕባቲ ፍጻመ ዝርዝር ሓበሬታ ድሕሪ ምእካብ እዮም፡ ትማል ሰኑይ ነዚ ሓበሬታ ሂቦም ዘለዉ። ነዚ ገበን ፈጺሙ ብዝብል ተጠርጢሩ ዘሎ መንእሰይ፡ ነዚ ወንጀል ምፍጻሙ ጥራይ ዘይኮነ ተወሰኽቲ ሰባት ንምቕታል እውን መደብ ከም ዝነበሮ ተኣሚኑ’ሎ።  

Read More »

ምስ ንኡሳን ብገንዘብ ጾታዊ ርክብ ዝፍጽሙ ሰባት ጽንክር ዝብለ ፍርዲ ይወሃቦም የለን ተባሂሉ።

ኣብያተ ፍርዲ ሽወደን፡ ነቶም ምስ 15-17 ዝዕድሜአን ንኡሳን ደቀንስትዮ ጾታዊ ርክብ ብገንዘብ ዝገዝኡ ሰባት፡ ትርር ዝበለ ፍርዲ ይህቡ ዘይምህላዎም ተገሊጹ ክብል መንግስታዊ ኤጀንሲ ምክልኻል ገበን “ብራ” ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ኣብዚ ጒዳያት እንርእዮ ነገር እንተሎ፡ ነዚ ነገር ዘጋድዱ ነገራት ምህላዎም ኮይኑ፡ ጽንክር ዝበለ ፍርዲ ከይወሃብ ምኽንያት ዝኾነ ግና እዚ ኲነታት ኣይኮነን ” ክትብል ኣካያዲ ፕሮጀክት ብራ ሊና ፍሸልካርድ ገሊጻ’ላ።  

Read More »

ኖርወይ ናብ ዩክሬይን እትገብሮ ረድኤት ምጒዳል ኣርእዩ።

ምስ እዋን ምጅማር ኲናት ብምውድዳር፡ ኖርዌጃውያን ዩክሬይን ንምሕጋዝ ዝነበሮም ተበግሶ ምንቊልቋሉ ተገሊጹ። “ዘይምዕዳል ኮይኑ፡ እቲ ፈለማ ዝነበረ ወኒ ሕጂ የንቈልቊል ኣሎ” ክብል ኣካያዲ ፕረስ ኖርዌጅያን ፖስት ኬነ ፒተርሰን ን P4 ኒውዝ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ኣብ ሚይዝያ፡ ኖርዌጅያን ፖስት ዝኾነ ዜጋ እታ ሃገር ብዘይክፍሊት ናብ ዩክሬይን ሓገዝ ክልእኽ ከም ዝኽእል ድሕሪ ምግላጹ፡ ኲባንያታትን ዜጋታትን እታ ሃገር ክሳብ ሕጂ 85 ቶን …

Read More »

ማሕበር መማህራን ን ኣህጒራዊ ቤት ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ ክምርምር እዩ ተባሂሉ።

ሃገራዊ ማሕበር መማህራን፡ ኣብ ኣህጒራዊ ቤት ትምህርቲ እንግሊዝኛ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ወከልቲ እቲ ማሕበር፡ ዳህሳስ ከካይድ እዩ ተባሂሉ። እዚ ዝገብረሉ ዘሎ ምኽንያት፡ ብርክት ዝበሉ ካብኣቶም፡ ብሰንኪ ጸቕጢ ኣእምሮ ምሕማሞም ድሕሪ ምፍላጡ እዩ። ሓንቲ ካብቶም በዚ ሕማም እተታሕዙ ካታሪና ሄትዘር ኮይና፡ ኣብ ተኣፋፊ ኲነታት ምህላዎም ኣመልኪታ። እቲ ኣህጒራዊ ቤት ትምህርቲ እንግሊዝኛ ብወገኑ፡ ምስቲ ማሕበር ክላዘብ ድሌት ከም ዘለዎ ኣብ ዝጸሓፎ ኢሜይል …

Read More »

ብሰንበት 155 በረራታት መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ተሰሪዞም።

ብምኽንያት ኣድማ ኣብረርቲ፡ መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ክሳብ ሕጂ ካብን ናብን ኖርወይ ዝግበሩ 155 በረራታት ከም እተሰረዙ ካብ መርበብ ሓበሬታ ኣቪኖር እተረኽቡ ኣሃዛት ኣመልኪቶም። ብሰኑይ ሓምለ 5፡ ኣስታት 900 ፓይለታት መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ናብ ኣድማ ድሕሪ ምእታዎም፡ ኣስታት 1,004 በረራትት ተሰሪዞም ምህላዎም ዝፍለጥ እዩ። ካብዞም ሎሚ ተሰሪዞም ዘለዉ 155 በረራታት፡ 86 ዘቤታዊ፡ 55 ናይ ሸንገን 14 ከኣ ኣህጒራዊ ምዃኖም እቶም ኣሃዛት …

Read More »

ዓማዊል ገያሾ ቲኬቶም ከሐድሱ መሰል ከም ዘለዎም ተገሊጹ።

ፓይለታት ሽወደን፡ ደንማርክን ኖርወይን ካብ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣትሒዞም ኣድማ ድሕሪ ምጅማሮም፡ ኣብዚ ሰሙን መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ኣማኢት በረራታት ምስራዙ ተፈሊጡ። እዚ ይዂንምበር፡ ገያሾ ቲኬቶም ከሐድሱ ከም ዝኽእሉ፡ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ኣመልኪቱ። ሸመትቲ ዋላ’ውን ኣድማ ኣብረርቲ ይሃሉ፡ ቲኬቶም ዳግማይ ከሐድሱ ከም ዝኽእሉን ናብ ቤት ጽሕፈት ክጽሕፉን፡ ኣብ ኤጀንሲ ሸመትቲ ሽወደን ጠበቓ ሄቪ ዓዚዝ ን ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ’ሎ።

Read More »

ምስ ምውሳኽ ዋጋታት ቅጥራን ጽገና ጽርግያታት ይውዘፍ።

ምምሕዳራት ከተማ ከምኡ’ውን ምምሕዳር መጓዓዝያ ሽወደን፡ ብምኽንያት ናህሪ ዋጋ ካርታመ ብዙሓት ውጥናትን ፕሮጀክቲታትን ጽገና ጎደናታት ምውዛፉ ተገሊጹ። ዋጋ ካርታመ፡ ክሳብ 40% ወሰኽ ምርኣዩ ዝፍለጥ እዩ። ካርታመ ዘፍርያ ኲባንያታት ሽወደን፡ ምስ ምጅማር ኲናት ዩክሬይን ካብ ሩስያ ዘእትውኦ ዝነበራ ፍርያት ብምስኣነን፡ እዚ ቅልውላው ከም እተኸስተ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። ጽርግያታት ኣብ ግዜኦም እንተዘይጸጊኖም፡ ወጻኢታት ህንጻ ኣብ ዝተናውሐ ዝኸበረ ክገብሮ ይኽእል እዩ–ብመሰረት እታ ሬድዮ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com