Sunday , May 19 2024

ዜና ቀዳመ ሰንበት

ዝቕባበ ሽወደን ናብ ዝለዓለ መጠን ይድይብ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ መጠን ዝቕባበ ሽወደን መሊሱ ወሲኹ ናብ 8.5% ምድያቡ ተገሊጹ። ኣብ ዝሓለፋ 30 ዓመታት ካብ እተራእዩ መጠን ዝቕባበታት፡ እቲ ዝለዓለ እዩ–ብመሰረት ሬድዮ ሽወደን። ምኽንያት ናይዚ ልዑል ዝቕባበ፡ ምውሳኽ ዋጋ ጸዓት ኤለትሪክ፡ ነዳዲን መግቢን እዮም ተባሂሉ’ሎ። ማእከላይ ባንክ ሽወደን፡ ዝቕጽል ውጥን ንምስላጥ፡ ኣብ ዝመጽእ መስከረም ክራኸብ እዩ–ብመሰረት ሬድዮ ሽወደን።  

Read More »

ኢራናዊ እሱራት ፖለቲካ ብምርሻኑ ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተፈሪዱ።

ሓሚድ ኑሪ ዝተባህለ ኢራናዊ ዜጋ፡ ኣብ ሃገሩ እናሃለወ እሱራት ፖለቲካ ብግፍዒ ብምርሻኑ፡ ወረዳ ስቶክሆልም ንናይ ዕድመ-ልክዕ ማእሰርቲ ከም ዝፈረዶ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። እዚ ኢራናዊ ገበነኛ፡ ኣብ 1980ታት እዩ ነዚ ገበን ፈጺምዎ። በዚ ድማ ብቕትለትን ምጥሓስ ኣህጒራዊ ሕጊን ንሕልፈት ክእሰር ተፈሪዱ’ሎ። ኣብ 1988 ኣብ ኢራን ኣብ 32 ከተማታት ክሳብ 5000 ሰባት ብጅምላ ብግፍዒ ከም እተረሸኑ ትካል “ህዩማን ራይትስ ዋች” ኣብ ዘውጽኦ …

Read More »

ኖርወይ፡ ስደተኛታት መንእሰያት ንግብረ-ሰዶማዊ ርክባት ከም ዘይድግፉ ተገሊጹ።

ሓደ ርብዒ ካብቶም ቀዳማይን ካልኣይን ወለዶ ኣብ ኖርወይ ዝቕመጡ ስደተኛታት፡ ብዛዕባ ግብረሰዶማዊ ጾታዊ ርክብ ኣሉታዊ ርእይቶ ከም ዘለዎም፡ ሓደ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። ወለዲ እዞም ስደተኛታት መንእሰያት ዝመጹለን ሃገራት፡ ኣብዚ ጒዳይ ጽልዋ ከም ዘለዎም ተመራማሪት FAFO ኤሪካ ብራኔን ስቲሪ ገሊጻ’ላ። ወለዶም ካብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ምዕራብ ኤስያ፡ ከምኡውን ኣፍሪቃ ካብ ዝኾኑ እቶም ኣስታት 25% ዝኾኑ መንእስያት፡ “ሓደ ዓይነት ጾታ ዘለዎም ሰባት ጾታዊ ርክብ …

Read More »

ሎሚ ምሸት ኖርዌጃውያን ንምድሪ ዝቐረበት ዓባይ ወርሒ ክርእዩ እዮም።

ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ናብ ምድሪ ዝቐረበትን ካብቲ ንቡር ቊሩብ እትገዝፍን ምልእቲ ወርሒ ከም እትረአ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሎሚ ምሸት ኖርዌጃውያን ኣብዛ ዓመት ንኻልኣይ ግዜ ምልእቲን ዕብይ ዝበለትን ወርሒ ኣብ ሰማያት ክርእዩ እዮም ተባሂሉ’ሎ። እታ ሎም ምሸት እትረአ ወርሒ፡ ካብታ ንብርቲ ብ 7% እትዓቢ ከም እትከውን ድምቀታ እውን ከም ዝውስኽን “ኢላስትሬትስ ሳየንስ” ዝተባህለ መጽሔት ገሊጹ’ሎ። ወርሒ ናብ ፕላኔትና ኣብ ዝቐረበ ኦርቢት …

Read More »

ቊጽሪ ኣቕረብቲ ጥርዓን ደገፍ ፋይናንስ ኮሮና 14,000 በጺሑ።

ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና ኣብ ኣሸጋሪ ቊጠባዊ ኲነታት ንዘለዉ ኲባንያታት ሰራሕተኛታ ካብ ምጒዳል መኣን ክድሕኑ ተባሂሉ ሓደ ማዕከን ገንዘብ ተመዲቡ ኔሩ እዩ። እንተኾነ ግና፡ ብርክት ዝበላ ኲባንያታት ሒደት ወይ ብምሉኡ እቲ ገንዘብ ክመልሱ ከም እተነግሮምን፡ እዚ ድማ 14000 ጥርዓናት ናብ ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ክቐርብ ምኽንያት ኮይኑ ምህላዉን ሬድዮ ሽውደን ኣመልኪታ። ብዙሓት ኣቐረብቲ ጥርዓን፡ ሕቶኦም እንከቕርቡ ጠለባቶም ኣዝዮም ኣጋኒኖም ገሚቶሞ ኔሮም እዮም፡ …

Read More »

ዩክሬናውያን ስደተኛታት ልዑል ጠለብ ረዲኤት ኣቕሪቦም ይውስኽ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ጥራይ፡ 200 ሓደስቲ ስደተኛታት ዩክሬይን፡ ወለንተኛታት ዝዕድልዎ መግቢ፡ ናይ ጽሬት ናውቲን ክዳውንቲን ንምርካብ፡ ናብቲ ኣብ ኣፕሳላ እትርከብ ማእከል ስደተኛታት ዩክሬይን ከም ዝመጹ ተገሊጹ። ካብ ባሕቲ ሓምለ ኣትሒዘን፡ ምምሕዳራት ከተማ ን ዩክሬናውያን ስድተኛታትን ሓላፍነት ቀረብ መጽለሊ ድሕሪ ምውሳደን፡ ጠለብ ኣገልግሎተን ምውሳኹ ፒ ፎር ኣፕላንድ ኣመልኪቱ። ኣቐድም ኣቢሎም፡ እዞም ስደተኛታት ብ ኤጀንሲ ስደተኛታት ኣብ ዝተዳለወ መንበሪ ይቕመጡን መግቢ ካብኡ …

Read More »

ሽወደን፡ ዋጋ ጸዓት ኤለትሪክ ወሲኹ።

ካብ ቀረባ መዓልታት ኣትሒዙ፡ ኣብ ክፋላት ሽወደን ዋጋታት ጸዓት ምውሳኹ ተገሊጹ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ካብ ሩስያ ናብ ኣውሮጳ ዝነበረ ቀረብ ቱቦ ጋዝ ኣብ ኣጠራጣሪ ኲነታት ምውዳቑ፡ ከምኡ’ውን ካብ ንፋስ፡ ማይን ኑክሌሳዊን ኣገባብ ዝርከብ ጸዓት ብምንቊልቋሉ እዩ። ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ዘሎ ዋጋ ጸዓት ኤለትሪክ፡ በሰኑይ ናብ 4.9 ክሮና ን ኪሎዋት ኣወር ደዪቡ’ሎ። እዚ ዋጋ ቀረጽ፡ ክፍሊትን ካልእን ከይጸብጸብካ እዩ። ምኽንያት ክብሪ …

Read More »

ፈረንሳ፡ ኣብ ጃምላዊ ህልቂ ሩዋንዳ ንዝተሳተፈ በዓልመዚ ነበር ኣሲራ።

ቤት ፍርዲ ፈረንሳ፡ ኣብ 1994 ኣብ ሩዋንዳ ኣብ ዝተኸስተ ጃምላዊ ህልቂት ዓሌት ቱትሲ፡ ኢድ ኔርዎ ንዝበሎ በዓልመዚ ሩዋንዳ ነበር ገበነኛ ኮይኑ ከም ዝረኸቦን፡ ን 20 ዓመት ከም ዘፈረዶን ቢቢሲ ጸብጺባ። ብገበን ጃምላዊ ህልቂት ሩዋንዳ ዛጊት ኣብ ቤት ፍርዲ ፈረንሳ ካብ እተዳነዩ ሩዋንዳውያን፡ ሎረን ቡሲባሩታ እቲ ዘለዓለ በዓልመዚ ምዃኑ፡ ቢቢሲ ወሲኻ ገሊጻ’ላ። ቡሲባሩታ፡ ኣብ እዋን እቲ ጃምላዊ ህልቂት ኣመሓዳሪ ደቡባዊ ጂኮንጎሮ …

Read More »

ፊንላንድ፡ ሓድሽ ማዕበል ለበዳ ኮሮና ክኽሰት ይኽእል እዩ ተባሂሉ።

ምስ ምምጻእ ሓድሽ ጅር ኦሚክሮን BA.5፡ ኲነታት ለበዳ ኮሮና ፊንላንድ ሕጂ’ውን ኣሻቕሊ ኮይኑ ምህላዉ ክኢላታት ፊንላንድ ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ። ኣብ ወርሓ ሰነ፡ ኣብ ከባቢ ርእሰ ከተማ ፊንላንድ ሄልሲንኪን ዉሲማን፡ ጅር BA.5 ዓብላሊ ኮይኑ ክወጽእ ከም እተራእየ፡ ሄልሲንጊን ሳኖማት ትማል ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ኣብቲ ላቦራቶሪ ካብ ዝተመርመሩ እቶም 42% በቲ ለበዳ እተለኽፉ ኮይኖም ከም እተረኽቡ፡ ዳይረክተር ማእከል መርመራ ሕማማት ሃስ …

Read More »

ኖርወይ፡ ኖርገስ ባንክ ደሞዝ ካብ ዋጋታት ብዝለዓለ ክውስኽ እዩ ኢሉ ከም ዝኣምን ገሊጹ።

ኣብ ቀጻሊ ደሞዝ ሰራሕተኛኣት ካብ ዋጋታት ብዝለዓለ ክውስኽ እዩ ኢሉ ከም ዝኣምን ኖርገስ ባንክ ገሊጹ። “ኣብ ቀጻሊ ሽቕለት ክውስኽ፡ ኣብ ቊጠባ ልዑል ንጥፈት ክህሉ ከምኡ’ውን ደሞዝ ካብ ዋጋታት ኣቕሑ ብዝያዳ ክውስኽ እዩ ዝብል ትንበያ ኣሎና” ክትብል ኣመሓዳሪት ማእከላይ ባንክ ኢዳ ዎልደን ባሺ ን መደበር ዜና ኖርወይ (NRK) ሓቢራ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዋጋታት ኣቕሑ ብ 6.3% ምውሳኾም ካብ ስታቲሲክስ ኖርወይ እተረኽቡ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com