Saturday , May 18 2024

ዜና ቀዳመ ሰንበት

ዋጋ ኣባይቲ ምንቊልቋል ይቕጽል።

ኣብ ኣዋርሕ ሰነን ቀዳማይ መፋርቕ ሓምለን፡ ኣብ መላእ ሽወደን ዋጋታት ንብረት ምንቊልቋል ይቕጽሉ ምህላዎም፡ ካብ ትካል ቫልዩጋርድ እተረኽቡ ሓደስቲ ኣሃዛት ኣመልኪቶም። ብዘይካዚ ብምኽንያት እዚ ክስተት፡ ንብረት ንምሻጥ ንውሕ ዝበለ ግዜ ይወስድ ምህላዉ፡ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። ሸየጥቲን ሸመትቲን ዋጋታት ንብረት ክልወጡ እዮም ኢሎም ትጽቢት ኣሕዲሮም ምህላዎም፡ ኣካያዲት ኤጀንሲ ሪል እስቴት ዞባ ስቶክሆልም–ብዩርፎርስስ–ክሪስቲና ሄንሪክሰን ኣመልኪታ።

Read More »

መስርሕ ፍርዲ ናይቲ መማህራን ዝቐተለ ተመሃራይ ማልም ምጅማሩ ተገሊጹ።

መስርሕ ፍርዲ ናይቲ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ማልም ክልተ መማህራን ብምቕታል እተኸሰ ወዲ 18 ዓመት ተመሃራይ፡ ትማል ረቡዕ ከም እተጀመረ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። ጠበቓ ተኸሳሲ ዓሚሉ ነዚ ቅትለት ከም ዝወዓሎ ክእመን ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። እዚ መንእሰይ ገበነኛ ኮይኑ እንድሕሪ ተረኺቡ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ሰፊሕ መርመራ ስነልቦናዊ ሓበሬታ ገበነኛ ንኽግበር ትእዛዝ ከመሓላልፍ ከም ዝኽእል ይግለጽ ኣሎ። እዚ እንድሕሪ ተጌሩ፡ እቲ ገበነኛ …

Read More »

ሎሚ ሓሙስ መጠን ሙቐት 35 ºC ክበጽሕ እዩ ተባሂሉ።

ኣብ መላእ ኣውሮጳ ተኸሲቱ ዘሎ ሃሩር፡ ናብ ሽወደን እውን የስፋሕፍሕ ምህላዉ ተገሊጹ። እዚ ልዑል መጠን ሙቐትን ነቕጽን ናብ ባርዕ ጫካ ከምርሕ ይክእል እዩ። እዚ እናኾነ፡ ሎም ሓሙስ መጠን ሙቐት ካብ 30 ºC ክሳብ 35 ºC ክበጽሕ ከም ዝኽእል፡ ኣብ ክፍሊ ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ሽወደን ክኢላ ኲነታት ኣየር ሶፊያ ሶደርበርግ ሓቢራ’ላ።

Read More »

ኖርወይ፡ ኣብ ኣስኪም ሓንቲ ሰበይቲ ተቐቲላ።

ትማል ሰሉስ ኣብ ክሊ ዕድመ 40ታት እንትርከብ ሰበይቲ ኣብ ኣስኪም ብዝወረዳ ብርቱዕ ኣካላዊ መጥቃዕቲ ህይወታ ምሕላፊ ተፈሊጡ። በዚ መጥቃዕቲ እተርጠረ ሓደ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ’ሎ። “ብርክት ዝበሉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንመርመራ ናብ መደበር ፖሊስ ከም እተወስዱ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ ፖሊስ ብርክት ዝበለ ተኽእሎታት እቲ ገበን እኳ እንተውጽኡ ዛጊት ደምዳሚ ስእሊ ክሕዙ ከም ዘይከኣሉ ኣካያዲ ስርሒታ ፖሊስ ቶም ሳንበርግ ን …

Read More »

ኖርወይ፡ መፍረ ጸዓት ኤለትሪክ ብ 7% ኣንቈልቊሉ።

ኣብ ካልኣይ ርብዒ ዓመት 2022 መፍረ ጸዓት ኤለትሪክ ኖርወይ ምስ ናይ ዓሚ እንክወዳደር ብ 7% ከም ዝትሕት ተገሊጹ። ምኽንያት እዚ ምንቊልቋል መፍረ ጸዓት ትሑት ዕቋር ማይ ምዃኑ መርበብ ሓበሬታ ኖርወይ ቱደይ ሓቢራ። ኣብ ካልኣይ ርብዒ ዓመት 202 ምፍራይ ጸዓት 33.4 ኪ/ዋ ምንባሩ ስታቲስቲክስ ኖርወይ ሓቢሩ’ሎ። ኣብ ኖርወይ መፍረ ጸዓት ንፋስ ብናህሪ ምውሳኹ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ እቲ ዝበዝሐ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል …

Read More »

ተጸለውቲ ጸሓይ ጥንቃቐ ክገብሩ ጻውዒት ቀሪቡ።

ኣብዚ ሰባት ብብዝሒ ጸሓይ ዝጽለዉሉ ዘለዉ ወቕቲ፡ ካብ መንሽሮ ቆርበት ክጥንቀቑ ክኢላታት ኣተሓሳሲቦም። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታል ስልግረንስካ ፕሮፌሰር ሕክምና ቈርበት ኦሌ ላርኮ ኣብ ዘመሓላለፎ ናይ መጠንቀቓታ መልእኽቲ፡ ተጸለውቲ ጸሓይ ቆብዕ፡ ካብ ጸሓይ ዝከላኸል ክዳውንቲን መነጽርን ከይፈልዩ ተላብዩ’ሎ። ኣካላቶም ብክዳውንቲ ክከላኸሉ ዝጽገሙ እንተኾይኖም ፋክተር ፊፍቲ ወይ ልዕሊኡ ዝኾነ ሳንስክሪን ክጥቀሙ ይኽእሉ እዮም፡ ክብል ላርኮ ለበዋኡ ኣመሓላሊፉ’ሎ። ኣብ ሽወደን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ …

Read More »

መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ምስ ማሕበር ፓይለታት ውዕል ከቲሙ።

መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ምስ ማሕበር ኣብረርቲ ውዕል ስምምዕ ብምኽታም፡ ነቲ ኣድማ ደው ከብሎ ምኽእሉ ይግለጽ ኣሎ። ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ መንገዲ ኣየር ኣንኮ ቫን ቨርፍ፡ ንሬድዮ ሽወደን ፕሮግራም ሞርጎን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እዚ ውዕል ነቲ ኲባንያ ተሓሪምዎ ዝጸንሐ ምርግጋእ ክመልሰሉ እዩ፡ ኢሉ ከም ዝኣምን ገሊጹ። ይዂንምበር እዚ ውዕል ሓባራዊ ስምምዕ ዘብጽሐ እኳ እንተኾነ፡ መዓልታዊ ሰዓታት ስራሕ ከም ዝናዋሕ ዝገብር ከይከውን …

Read More »

ኣድማ ፓይለታት መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ኣብቂዑ።

ዝሓለፈ ስኑይ መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያን ማሕበር ፓይለታት ዝኸተምዎ ውዕል ተኸቲሉ ኣድማ ፓይለታት እቲ መንገዲ ኣየር ደው ምባሉ ተገሊጹ። በረራታት ምቕጻሉ ኣንተኾነ እቲ መንገዲ ኣየር ብኸምቲ ቅድሚ ኣድማ ዝነበሮ ናይ 100% ስሉጥነ ክምለስ ብውሕዱ ሓደ መዓልቲ ከም ዘድልዮ ኣካያዲ እቲ መንገዲ ኣየር ገሊጹ’ሎ። በዚ ን 15 መዓልታት ኣብረርቲ መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ዘካየድዎ ኣድማ ኣስታት 370,000 ገያሾ ከም እተጸልዉ እቲ መንገዲ ኣየር …

Read More »

ኖርወይ፡ ቀዳማይ ሚኒሰተር ስቶረ ንሰደድ ጸዓት ኤለትሪክ ደጊፉ።

ዋላኳ ዋጋ ጸዓት ኤለትሪክ ወሲኹ እንተሎ፡ ኣብ ዕዳጋ ጸዓት ኤለትሪክን ንግድ ወጻኢን ኢዱ ከእቱ ድሌት ከም ዘይብሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኖርወይ ዮናስ ጋር ስቶር ገሊጹ። “ዘሎና ሕጽረት ጸዓት ንምሽፋን ካብ ወጻኢ ጸዓት ኤለትሪክ ምምጻእ ግድን ከድልየና እዩ፡ እዚ ንግድ ንኣና ኣገዳሲ እዩ” ክብል ስቶር ምስ ጋዜጣ ኣፍቶንፖስተን ኢ 24 ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ገሊጹ’ሎ። ብዘይካዚ ዘይከም ጠለብ ፖለቲካውያን ሰልፊታት እታ ሃገር፡ ንኖርወይ …

Read More »

ኣብ ምብራቕ ፊንማርክ ብጫ መጠንቀቕታ ክሊማ ተመሓላሊፉ።

ኣብ ምብራቓዊ ክፋል በረኽቲ ፊንማርክ፡ ካብ ትማል ቀትሪ ሰኑይ ኣትሒዙ ክሳብ ምሸትን ለይቲን በርቂን ነጎዳን ከም ዝህሉ ብምጥቃስ፡ ዋይኣር ብጫ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ’ሎ። ጻዕቂ ናይዚ ነጎዳን በርቂን፡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ፍልልይ ክህልዎ እዩ ዝበለ እቲ መጠንቀቕታ፡ ኣብ ገሊኡ ጨሪሱ በርቂ ኣይክህሉን እዩ ክብል ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። ተቐማጦ በረኽቲ ፊንማርክ ናይ ኤለትሪክ ኣቕሑ ንግዜኡ ከይጥቀሙ፡ ፍጥነት መኪናኦም ምስ ኲነታት ኣየር …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com