Saturday , May 4 2024

ኣብ ምብራቕ ፊንማርክ ብጫ መጠንቀቕታ ክሊማ ተመሓላሊፉ።

ኣብ ምብራቓዊ ክፋል በረኽቲ ፊንማርክ፡ ካብ ትማል ቀትሪ ሰኑይ ኣትሒዙ ክሳብ ምሸትን ለይቲን በርቂን ነጎዳን ከም ዝህሉ ብምጥቃስ፡ ዋይኣር ብጫ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ’ሎ።

ጻዕቂ ናይዚ ነጎዳን በርቂን፡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ፍልልይ ክህልዎ እዩ ዝበለ እቲ መጠንቀቕታ፡ ኣብ ገሊኡ ጨሪሱ በርቂ ኣይክህሉን እዩ ክብል ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።

ተቐማጦ በረኽቲ ፊንማርክ ናይ ኤለትሪክ ኣቕሑ ንግዜኡ ከይጥቀሙ፡ ፍጥነት መኪናኦም ምስ ኲነታት ኣየር ከመዓራርዩ፡ መጽለሊ ከናድዩ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ጎላጒል ካብ ምጽናሕ ክቚጠቡን ዋይ ኣር ለበዋኡ ኣመሓላሊፉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com