Friday , May 3 2024

ኣድማ ፓይለታት መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ኣብቂዑ።

ዝሓለፈ ስኑይ መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያን ማሕበር ፓይለታት ዝኸተምዎ ውዕል ተኸቲሉ ኣድማ ፓይለታት እቲ መንገዲ ኣየር ደው ምባሉ ተገሊጹ። በረራታት ምቕጻሉ ኣንተኾነ እቲ መንገዲ ኣየር ብኸምቲ ቅድሚ ኣድማ ዝነበሮ ናይ 100% ስሉጥነ ክምለስ ብውሕዱ ሓደ መዓልቲ ከም ዘድልዮ ኣካያዲ እቲ መንገዲ ኣየር ገሊጹ’ሎ። በዚ ን 15 መዓልታት ኣብረርቲ መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ዘካየድዎ ኣድማ ኣስታት 370,000 ገያሾ ከም እተጸልዉ እቲ መንገዲ ኣየር ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com