Saturday , May 4 2024

መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ምስ ማሕበር ፓይለታት ውዕል ከቲሙ።

መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ምስ ማሕበር ኣብረርቲ ውዕል ስምምዕ ብምኽታም፡ ነቲ ኣድማ ደው ከብሎ ምኽእሉ ይግለጽ ኣሎ። ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ መንገዲ ኣየር ኣንኮ ቫን ቨርፍ፡ ንሬድዮ ሽወደን ፕሮግራም ሞርጎን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እዚ ውዕል ነቲ ኲባንያ ተሓሪምዎ ዝጸንሐ ምርግጋእ ክመልሰሉ እዩ፡ ኢሉ ከም ዝኣምን ገሊጹ። ይዂንምበር እዚ ውዕል ሓባራዊ ስምምዕ ዘብጽሐ እኳ እንተኾነ፡ መዓልታዊ ሰዓታት ስራሕ ከም ዝናዋሕ ዝገብር ከይከውን ማሕበር ኣብረርቲ ስክፍታኡ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com