Friday , May 3 2024

ኖርወይ፡ ቀዳማይ ሚኒሰተር ስቶረ ንሰደድ ጸዓት ኤለትሪክ ደጊፉ።

ዋላኳ ዋጋ ጸዓት ኤለትሪክ ወሲኹ እንተሎ፡ ኣብ ዕዳጋ ጸዓት ኤለትሪክን ንግድ ወጻኢን ኢዱ ከእቱ ድሌት ከም ዘይብሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኖርወይ ዮናስ ጋር ስቶር ገሊጹ።

“ዘሎና ሕጽረት ጸዓት ንምሽፋን ካብ ወጻኢ ጸዓት ኤለትሪክ ምምጻእ ግድን ከድልየና እዩ፡ እዚ ንግድ ንኣና ኣገዳሲ እዩ” ክብል ስቶር ምስ ጋዜጣ ኣፍቶንፖስተን ኢ 24 ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ገሊጹ’ሎ። ብዘይካዚ ዘይከም ጠለብ ፖለቲካውያን ሰልፊታት እታ ሃገር፡ ንኖርወይ ካብ ዕዳጋ ጸዓት ኤለትሪክ ኣውሮጳ ክዓጽዋ ድሌት ከም ዘይብሉ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።

“እዚ–ንዂልን ዝሃሲ ሓደገኛ ሓሳባት እዩ። ዋጋታት ጸዓት ኤለትሪክ መሊሱ ክኸብር ኣብ ገሊኡ’ውን ክሰኣን ዝገብር እዩ። ካልኦት ሃገራት ኣብ እዋን ሽግረን ካባና ክገዝኣ እንድሕር ዘይንፈቅድ ኴንና፡ ንሕና ኣብ እንደልየሉ እዋን ኤለትሪክ ምዕዳግ ክንጽገም ኢና፡ እንካን ሃባን ኣገዳሲ እዩ። ብዓቢኡ ዝጸንከረ ወቕቲ ዊንተር ብቕድሜና’ሎ። እንታይ ይመጽእ ምህላዉ ብቕንዕና ክንነግር እዩ ዘሎና። ዋጋታት ኤለትሪክ ካብቲ ወትሩ ዝለመድናዮ ክልዕል እዩ–ምኽንያቱ እዚ ቅልውላው ጸዓት ኤለትሪክ ብደረጃ ኣህጒር ኣውሮጳ እዩ ተኸሲቱ ዘሎ፡ ስለዚ ንሕና እውን የግዲ ክንጽሎ ኢና” ኢሉ’ሎ ስቶር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com