Saturday , May 18 2024

ገበን

ማልሞ፡ ሰለስተ ሰባት፡ ናይ ካራ መጥቃዕቲ ወሪድዎም

ትማሊ ሰንበት ኣብ ከባቢ ሰዓት ሓሙሽተ ድሕሪ ቀትሪ፡ ኣብ ማእከል ማልሞ፡ ሰለስተ ሰባት ኣብ ዝተፈላለየ እዋን፡ ናይ ካራ መጥቃዕቲ ከምዝወረዶምን ብኣምቡላንስ ድማ ንሆስፒታል ከምዝተወስዱን ተሓቢሩ።ኣብ ልዕሊ እዞም ሰለስተ ሰባት ዝወረደ ገበን፡ ብሰንኪ ቑጠዐ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ክኸውን ከምዝኽእል ወሃብ ቃል ደቡባዊ ኣከባቢ፡ ጂሚ ሞዲን፡ ገሊጹ።እቶም ግዳያት ክሳብ ክንደይ ከምተሃስዩ ንጹር ሓበሬታ እኳ እንተዘይተረኽበ፡ እቲ ማህሰይቲ ተመሳሳሊ ብምዃኑ፡ ሓደ ሰብ ፈጺምዎ ክኸውን …

Read More »

ኡፕሳላ፡ ሓደ ሰብ ብጥይት ተሃሪሙ

ትማሊ ሰዓት 7፡00 ድ.ቐ.፡ ሓደ ሰብ ኣብ ግራንቢፓርከን፡ ኡፕሳላ፡ ብጥይት ተሃሪሙ ናብ ሕክምና ብእምቡላንስ ከም ዝተወስደ ፖሊስ ሓቢሩ። ኣብ ከባቢ ግራንቢፓርከን፡ ቶኽሲ ምስ ተሰምዐ ብዙሓት ሰባት ናብ ፖሊስ ከምዝደወሉ ወሃቢት ቃል ፖሊስ፡ ቶብያስ ኦህለን፡ ሓቢሩ። ኩነታት ናይቲ ዝተሃርመ ሰብ ዝገልጽ ንጹር ሓበሬታ የለን። ኣብቲ ከባቢ፡ ፖሊስ፡ ብመካይንን ብሄሊኮፕተርን ከምተረኽቡን ነቲ ከባቢ ሓጺሮም ክሳብ ሰዓት 9:00 ድ.ቐ. ከምዝነበሩን ዝኾነ ሰብ ግን …

Read More »

ክልተ ኮተቴ ኣብ ልዕሊ ጓል 12 ዓመት ቆልዓ ብዝፈጸምዎ ሓባራዊ ጾታዊ ዓመጽ ተፈሪዶም

ክልተ ደቂ 16 ዓመት ኮተቴ፡ ዝሓለፈ ክረምቲ ኣብ ደቡብ ስኮና ኣብ ልዕሊ ጓል 12 ዓመት ብዝፈጸምዎ ሓባራዊ ጾታዊ ዓመጽ፡ ተኸሲሶም ኣብ ማእከል ተሃድሶ ንኽኣትዉ ቤት ፍርዲ ምውሳኑ ሬድዮ ሽወደን ኣፍሊጡ። ኣብቲ ፍጻሜ ክልተ ኮተቴ ውን ተሳቲፎም ምንባሮም ኣኽባሪ ሕጊ ጠቒሱ። እንተኾነ ትሕቲ 15 ዓመት ስለዝኾኑ ብመሰረት ሕጊ ሽወደን ክኽሰሱ ከምዘይከኣሉ ሓቢሩ። እቶም ገበነኛታት ነታ ቆልዓ ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተላልዮም ብኣካል …

Read More »

ትካል ውሕስነት (Försäkringskassan)፡ ሓንቲ ሰበይቲ ንዝተጠቀመቶ 20 ሚልዮን ክሮነር ንኽትመልስ ይግድዳ

ኣብ እስክሊስቱና እትነብር ጓል 40 ዓመት ሰበይቲ፡ ንውልቃዊ ሓገዝ ዝህቡ ትካላት ተባሂሉ ን10 ዓመታት ክኽፈለላ ዝጸንሐ፡ ኣስታት 20 ሚልዮን ክሮነር ንኽትመልስ ካብ ፎርሸክሪንስካሳን ጠለብ ከምዝቐረበላን ንኽትመልሶ ክትግደድ ምዃናን SVT ገሊጹ። እዛ ሰበይቲ፡ ንጥዕናዊ ኩነታታ ብዝምልከት ኮነ ኢላ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብምቕራባን ገንዘብ ንኽትረክብ ድማ ስንክልቲ ምዃና ብምሕባራ ጸብጻባት መርመራ ፎርሸክሪንስካሳን ሓቢሩ። እታ ሰበይቲ፡ ዝኾነ ዓይነት ስንክልና ከምዘይብላ እቲ ብፎርሸክሪንስካሳን ዝተኻየደ …

Read More »

ብሰንኪ ህንጻዊ ስምምዓት፡ ሓንቲ ምምሕዳር ናይ ሓደ ሚልዮን መቕጻዕቲ ይጽበያ

ምምሕዳር ነይንስሃመን፡ ህንጻ ከሐድስ መደብ ምስ ሓዘ ብዘይ ዝኾነ ዓይነት ምውዕዋዕ (ሓበሬታ) ምስ ሓንቲ ናይ ህንጻ ኩባንያ ተሰማሚዑ። እቲ ምምሕዳር፡ ዘይምእኩልን ቀጥታዊ ዕድጊን ብምፍጻሙ፡ ናይ 1.5 ሚልዮን ክሮነር መቕጻዕቲ ንክኸፍል ብሽወደናዊ በዓል መዚ ጨረታ ተሓቲቱ ኣሎ። ኣብ ወርሒ ሓምለ 2019፡ እቲ ምምሕዳር ሓንቲ ቅድመ-ትምርህቲ ትርከቦ ንብረት ዝሓቖፈ ናይ ክራይ ውዕል ከምዝኣተወን፡ እታ ቅድመ-ትምህርቲ ከም ብዙሕ ክፍልታት ዝሓቖፈት መንበሪ ኮይና ንኽትወሃሃድ …

Read More »

ቀታሊ ፊልማ ኣንደርሰን ዝኾነ ቲሽኮ ኣሕመድ ንሕልፈት ተፈሪዱ

ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ኦዲቫላ፡ ነቲ ብቕትለት ዓርኩ ነበር፡ ፊልማ ኣንደርሰን (17 ዓመት)፡ ተኸሲሱ ዝነበረ ቲሽኮ ኣሕመድ (23) ንሕልፈት ከምዝፈረዶ TT ኣቃሊሑ። ቤት ፍርዲ ምምሕዳር ኦዲቫላ፡ ነቲ መንእሰይ ብገበን ቅትለት ምስ ከሰሶ፡ ስነ-ኣእምራዊ መርመራ ንኸካይድ ናብ ሕክምና ሰዲድዎ ምንባሩን እቲ መንእሰይ፡ ስነ-ኣእምራዊ ጸገም የብሉን ዝብል ናይ ሕክምና ውሳነ ከምዝተረኽበ ይዝከር። ጉዳይ ቅትለት መንእሰይ ፊልማ፡ ዓቢ ኣቓልቦ ህዝቢ ሽወደንን መርበብ ሓበሬታን ረኺቡ …

Read More »

ነቶም ሰኺሮም እንከለዉ መኪና ዝዝውሩ ሰባት፡ ክብድ ዝበለ መቕጻዕቲ ክብየን ጻውዒት ቀሪቡ

ሓላፊ ኣሃዱ ጸረ ገበን በዓልመዚ ግምሩኽ ናብ ኦስካር ሊንድቫል ኣብ ዝለኣኾ ለበዋ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ መስተ ወይ ድራግ እንከለዉ ዓበይቲ መካይን ዝዝውሩ መራሕቲ መካይን ጽንክር ዝበለ መቕጻዕቲ ክብየነሎም ጻውዒት ጌሩ’ሎ። ንሱ ሎሚ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ” እዚ ተርእዮ፡ ዓቢ ሽግር ዝፈጥር እዩ። ኣብ ልዕሊ ሰታያት መራሕቲ መካይን ዝወሃብ መቕጻዕቲ ክተርር ኣለዎ፡ ምኽንያቱ ብዝሰኸረ ሰብ ወይ ኣብ ትሕቲ …

Read More »

ብቕትለት ተኸሲሱ ንትሸዓተ ዓመታት ሃዲሙ ዝጸንሐ ገበነኛ ተታሒዙ

ቅድሚ ትሸዓተ ዓመታት፡ ብምሕጋዝን ምጉስጓስን ገበን ቅትለት ተኸሲሱ ሃዲሙ ዝነበረ ኣብ ኣርባዓታት ዝዕድሚኡ ወዲ ተባዕታይ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ስኮቭስታ (Skavsta) ከምተታሕዘ ተፈሊጡ። እዚ ብሰሉስ ናብ ሽወደን ብናይ ሰርብያዊ ፓስፖርት ክኣቱ ዝተታሕዘ ገበነኛ፡ ካብ ፖሊስ ሽወደን ሃዲሙ ከምዝጸንሐ ተፈሊጡ ኣሎ። እቲ ገበነኛ፡ ናይ ወጻእተኛ ፓስፖርት ሒዙ ከብቅዕ፡ ምልከት ቋንቋ ሽወደን ብምህላዉ፡ ፖሊስ፡ ብዓይኒ ጥርጣረ ርእዩ ሃገራዊ ቁጽሩ ከጻሪ ጀመረ። ከምውጽኢቱ ድማ፡ …

Read More »

ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ናይ ዓመተ 2020፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ጎነጻዊ ገበናት ምዝያዱ ተፈሊጡ

ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ናይ ዓመተ 2020፡ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝተፈጽሙ ጎነጻዊ ገበናት ዝሕብሩ ኣስታት 14100 ጥርዓናት ከምዝተራእዩን ምስቲ ኣብ ተዛማዲ እዋን ናይ ዓመተ 2019 ዘጋጠሙ ተመሳሰልቲ ተርእዮታት ክነጻጸር እንከሎ ብ 4% ከም ዝዛየደ ወግዓውያን ጸብጻባት ኣሃዱ ምክልኻል ገበናት፡ Brå፡ ሓቢሮም። ጥርዓናት ዓመጽ (ምግሳስ) ድማ ብ3% ምውሳኹ እቶም ጸብጻባት ብምውሳኽ ሓቢሮም። ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና፡ እተን ትሑት ዓቕሚ ዘለወን …

Read More »

ኣብ ከተማ ማልሞ ዝርከብ ህንጻ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት (ሶሻል)፡ መጥቃዕቲ ተቓጸልቲ ጠራሙዝ ወሪድዎ

ትማሊ ድሕሪ ፍርቂ መዓልቲ፡ ኣብ ከተማ ማልሞ፡ ከባቢ ሆልሾጋታትን (Hålsjögatan)፡ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት (ሶሻል)፡ መጥቃዕቲ ተቓጸልቲ ቦምባታት ከምዝወረዶን ዝኾነ ሰብ ድማ ከምዘይተጎድአን ጋዜጣ ሲድቨኒስካን (Sydsvenskan) ሓቢራ። ትማሊ ሰሉስ ኣብ ከባቢ ሰዓት 3:33 ድሕሪ ቀትሪ፡ ተቓጸልቲ ጠራሙዝ ናብቲ ህንጻ ድሕሪ ምድርባዮም ኣብ ግዳማዊ ክፋል ናይቲ ህንጻ ማህሰይቲ ከምዝገበሩ እታ ጋዜጣ ብተወሳኺ ሓቢራ። ፖሊስን ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓውን ናብቲ ቦታ ተቐላጢፎም …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com