Thursday , May 9 2024

ኣብ ከተማ ማልሞ ዝርከብ ህንጻ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት (ሶሻል)፡ መጥቃዕቲ ተቓጸልቲ ጠራሙዝ ወሪድዎ

ትማሊ ድሕሪ ፍርቂ መዓልቲ፡ ኣብ ከተማ ማልሞ፡ ከባቢ ሆልሾጋታትን (Hålsjögatan)፡ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት (ሶሻል)፡ መጥቃዕቲ ተቓጸልቲ ቦምባታት ከምዝወረዶን ዝኾነ ሰብ ድማ ከምዘይተጎድአን ጋዜጣ ሲድቨኒስካን (Sydsvenskan) ሓቢራ።

ትማሊ ሰሉስ ኣብ ከባቢ ሰዓት 3:33 ድሕሪ ቀትሪ፡ ተቓጸልቲ ጠራሙዝ ናብቲ ህንጻ ድሕሪ ምድርባዮም ኣብ ግዳማዊ ክፋል ናይቲ ህንጻ ማህሰይቲ ከምዝገበሩ እታ ጋዜጣ ብተወሳኺ ሓቢራ።

ፖሊስን ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓውን ናብቲ ቦታ ተቐላጢፎም ድሕሪ ምምጻእ ኣብቲ ህንጻ ዝነበሩ ሰባት ኣውጺኦም ነቲ ከባቢ ከምዝሓጸርዎ ተፈሊጡ።

ፖሊስ ድማ ኮነ ኢልካ ዝተፈጸመ ገበን ብዝብል ጥርጣረ መርመራ ከምዝጀመረ ተሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com