Monday , May 20 2024

ጥዕና

ኣሃዱ ሓለዋ ጥዕና ንዝርጋሐ ለበዳ ኮሮና ንምግምጋም ብሃገር ደረጃ መጽናዕቲ ክገብር ይዳሎ።

ኣሃዱ ሓለዋ ጥዕና ሽወደን ንዝርጋሐ ለበዳ ኮሮና ኣብ መላእ ሽወደን ንምግምጋም ንኻልኣይ ግዜ መጽናዕቲ ክጅምር ምዃኑ TT ሓቢሩ። እዚ ዝካየድ መጽናዕቲ ኣብ ልዕሊ ብኣጋጣሚ (random) ዝተመርጹ 4000 ሰባት ዝካየድ እዩ። እቲ ካብዞም ሰባት ንመጽናዕቲ ተባሂሉ ዝውሰድ ቅምሶ (sample) ካብ ኣፍንጫን ጎሮሮን ዝውሰድ ክኸውን እዩ። እዚ መጽናዕቲ ንመጠን ዝርገሐ ለበዳ ቫይረስ ንምግምጋም ተባሂሉ ዝካየድ ድኣ እምበር፡ እቲ ሰብ ቅድሚ ሕጂ ብቫይረስ …

Read More »

ሽወደን ኣብ ለበዳ ኮሮና ዝሓዘቶ ኣካይዳ ዝተዓወተት ይመስል ክብል ትራምፕ ገሊጹ።

ፕረሲደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትርምፕ ብዛዕባ ሽወደን እትኽተሎ ኣገባብ መኸተ ለበዳ ኮሮና ዝጸንሖ ኣተሓሳስባ ብምቕያር ትማሊ ኣድናቖቱ ምልጋሱ ተፈሊጡ። ንሱ” ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ዜጋታቱ ኣብ ቤት ክውሸቡ ምንጋር ኣየድልዮን እዩ፥ ብቕጽበት እዮም ተግቢሮሞ” ምባሉ ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ሓቢራ። ትራምፕ ኣቐዲሙ ንስትራቴጂ ሽወደን ብትሪ ምቅዋሙን ኣመሪካ እዚ ኣገባብ እንተትጥቀም ኔራ ዛጊት ክልተ ሚልዮን ሰባት ምሞቱና ኔሮም ምባሉን ይጥቀስ’ዩ። እንተኾነ ግና እቲ ፕረሲደንት ትማሊ፡ምስ …

Read More »

ኣብ መንጐ እቶም ካብ ሽወደን ወጻኢ ኣብ ዝተወልዱ ነባሮ እታ ሃገር ዘሎ መጠን መልከፍቲ ኮሮና ምንቊልቋሉ ተገሊጹ።

ዋና ተጸዋዒ ለበዳታት መንግስቲ ሽውደን ኣንደርስ ቲግኔል ኣብቶም ካብ ሽወደን ወጻኢ ኣብ ዝተወልዱ ነባሮ ዘሎ መጠን ለበዳ ኮሮና ክንገረሉ ዝጸንሐ ምኽንያት ኣድላዪ ዘበል ጥንቃቐ ንኽገብሩ ተባሂሉ ምዃኑ ሓቢሩ’ሎ። ሎሚ ኣብ ምስ ጋዜጠኛታት ኣል ኮምብስ ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሕሙማት ካባየናይ ብሄር ምዃኖም ምንጋር ዘየድሊ ዓሌትነት ከለዓዕል ኣይክእልን ዶ ዝብል ሕቶ ቀሪብሉ ኔሩ። ቲግኔል ንኣገዳስነት እቲ ሕቶ ኣፍልጦ ድሕሪ ምሃብ ገለ …

Read More »

ዝርጋሐ ለበዳ ኮሮና ኣብ ስኮና ብዘገምታ ይቕጽል።

ዝርገሐ ለበዳ ኮሮና ምስተን ካልኦት ምምሕዳራት ብምንጽጻር ኣብ ምምሕዳርና ብቐስታ ይቕጽል ምህላዉ ዝሓሸ ኩነታት ኣለና ክብል ኣቦ ወንበር ሽማግለ ምምሕዳር ስኮና፡ ኦልፍ ዮንሰን ሓቢሩ። ይኹን እምበር፡ ሕብረተሰብና ስኮና ነቲ ብኣሃዱታት ህዝባዊ ጥዕና ዝወሃብ መምርሒታት ክዝንገዖ ከምዘይብሉ ብትሪ ኣዘኻኺሩ። ነዚ በጺሕናዮ ዘለና ምዕባለታት ንምዕቃብ መምርሒታትን ሓበሬታታትን ሸለል ክንብል ከምዘይብልና፡ ኣንጻር’ዚ ሕማም ዝግበር ቃልሲ ነዊሕን ከም ናይ “ማራቶን” ቅድድምን እዩ ክብል ኣመሳሲልዎ። …

Read More »

ስተፋን ሎቨን፡ ንኹሉ ብምዕጻውና ካብ ቫይረስ ክንገላገል ኣይንኽእልን ኢና።

ጽልዋ ቅልውላው ቫይረስ ኮሮና ኣብ ልዕሊ ሽወደን ንዝነወሐ እዋን ዝጸንሕ እዩ። ንኹሉ ብምዕጻው ካብ ቫይረስ ክንገላገል ንኽእል ኢና ዝበሃል ሓሳብ ክትኣምኖ ቀሊል እዩ። ይኹን እምበር፡ ክኢላታት ከምዝሕብርዎ፡ እቲ ቫይረስ እንደገና ክመጽእ ተኽእሎታት ከምዘለዎ እዩም ዝሕብሩ ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቪን ሓቢሩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሽወደን፡ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ከምዝዝርጋሕን ንንውሕ ዝበለ እዋን ክጸንሕ ከምዝኽእልን ተረዲእና ነቲ ብበዓል …

Read More »

ልዕሊ ርብዒ ካብ መናበይ ዓበይቲ ሶልና ብሞት ተፈልዮም።

ካብቶም ኣብ ሶልና ዝርከብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ “ ቢርጋ” ዝሰፍሩ ዝነበሩ 96 ኣረጋውያን እቶም 27 ከምዝሞቱ ናብ ኣሃዱ ሓለዋ ጥዕና ዝቐርበ ጸብጻብ ሓቢሩ። ሰራሕተኛታት እቲ ቦታ ብሰንኪ ሕጽረት ናውቲ መከላኸልን ዘይጽሩይ ናይ ስራሕ ሃዋሁን ኣብ ኣሸጋሪ ኩነታት ይሰርሑ ከምዘለዉ ናይ ድሕነት ተቖጻጸርቲ ምስ ተለቪዥን ሽወደን SVT ኣብ ዝገበርዎ ርክብ ገሊጾም። ኩነታት እንዳ መናበይ ዓበይቲ “ቢርጋ” ብጣዕሚ ከቢድ ምህላዉን ዳርጋ ፍርቂ …

Read More »

Swedish news in Tigrigna ዜና ሽወደን ብትግርኛ 29 ሚያዚያ 2020

ካብ ናይ ሎሚ ትሕዝቶ ዜና፡ ብብዝሒ ምልባዕ ኮሮና ቫይረስ ኣብ መሸጣ ዱኳናት ከምዘሎ ሰብ መዚ ጥዕና ሓቢሮም። ጽምብል መዛዘሚ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ብጸቢብ ክካየድ መንግስቲ ወሲኑ። sverige #alkompis #sweden #Tigrinja

Read More »

ስኮነ፡ ን50 ሕሙማት ኮቪድ-19 ናይ ጸረ-ነብሳት መርመራ ክካየድ እዩ።

ንመጽናዕቲ ተባሂሉ ን50 ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝርከቡ ሕሙማት ኮቪድ-19 ናይ ጸረ-ነብሳት መርመራ ክካየደሎም ምዃኑ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ስኮና ገሊጹ። ምንጪ ናይቶም ጸረ-ነብሳት ካብ ደም ናይ 50 ቅድሚ ሕጂ ብሕማም ኮቪድ ተጠቒዖም ዝነበሩ እሞ ዝሓወዩ ሰባት ዝርከብ ምዃኑ ተሓቢሩ። ከምዚ ዓይነት መርመራ ንምክያድ ካብ ኮሚቴ ስነ-ስርዓት ፍቓድ ተዋሂቡ ኣሎ። ነዚ ብዝምልከት ድማ ኣብ ዝሓጸር እዋን ፈተናታት ክትጅመር ምዃና እታ ዩኒቨርሲቲ …

Read More »

ዝበዝሑ ሽወደናውያን ኣብ ልዕሊ ኮሮና ተወሳኺ ስጉምትታት ክውሰዱ ድሌት ከም ዘለዎም ይገልጹ።

ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ ቊጠባ ዝተኻየደ ሓድሽ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ ሰለስተ ርብዒ ካብ ህዝቢ ሽወደን ለበዳ ኮሮን ንምዕጋት ዝግበር ዘሎ ወፍሪ እዂል ኣይኮነን ኢሎም ከም ዝኣምኑ፥ 40% ዝኾኑ ከኣ ኣብ ከተማታት ግዜያዊ ሰዓት እቶ እቶ እንተተኣወጀ ቅር ከም ዘይብሎም ጸብጻብ ኣፍቶንብላዴት ኣመልኪቱ። እዚ ኣብ መፋርቕ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ሽወደናውያን ብዛዕባ እዚ ሕማምን ኣገባብ ኣተኣላልያኡን ዘለዎም ሓፈሻዊ ርእይቶ ንምግምጋም ዝተኻየደ …

Read More »

ፊን ቲንገል፥ ፊላንድ ሳላ ተሪር ስጉምቲ ኣብ ኮቪድ-19 ውጺኢታዊት ትኸውን፣

እቲ ለበዳ ኪዝርጋሕ ምስ ጀመረ፡ ፊንላንድ ካብ ሽወደን ንላዕሊ ቅየዳታት ኣተኣታቲ እያ። ሚካ ሳልሚነን፡ ሓላፊ ክንክን ጥዕና፡ እቲ ቅየዳታት፡ ቀጻሊ ምዝርጋሕ ለበዳ ከምዝንኪ ብምግባሩ ውጽኢት ክኽውን ዝኽኣለ ብምባል ድማ ይውስኽ። ሳልሚነን ኣብ ፊንላድ ልክዕ ከም ናይ ሽወደን ቲንገል እዩ። ፊንላንድ ነቲ ለበዳ ንምዕጋት ኣብያተ ትምርቲ ዓጽያ፡ ነተን ኣውራጃታት ድማ ከም ዚብሕታ ገይራተን። እዚ ምዕጻዋት ግን ነቲ ለበዳ ነዊሕ ከም ዚጸንሕ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com