Friday , April 26 2024

ስኮነ፡ ን50 ሕሙማት ኮቪድ-19 ናይ ጸረ-ነብሳት መርመራ ክካየድ እዩ።

ንመጽናዕቲ ተባሂሉ ን50 ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝርከቡ ሕሙማት ኮቪድ-19 ናይ ጸረ-ነብሳት መርመራ ክካየደሎም ምዃኑ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ስኮና ገሊጹ። ምንጪ ናይቶም ጸረ-ነብሳት ካብ ደም ናይ 50 ቅድሚ ሕጂ ብሕማም ኮቪድ ተጠቒዖም ዝነበሩ እሞ ዝሓወዩ ሰባት ዝርከብ ምዃኑ ተሓቢሩ። ከምዚ ዓይነት መርመራ ንምክያድ ካብ ኮሚቴ ስነ-ስርዓት ፍቓድ ተዋሂቡ ኣሎ። ነዚ ብዝምልከት ድማ ኣብ ዝሓጸር እዋን ፈተናታት ክትጅመር ምዃና እታ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መብርሂ ከም ዝሓበረት TT ኣቃሊሑ።

እቲ መርመራ፡ ጸረ-ነብሳት ዝወሰዱ ሕሙማትን ዘይወሰዱ ሕሙማትን ዘርእይዎ ውጽኢት ንምንጽጻር ዝዓለመ እዩ። ቅድሚ ሕጂ ብኸምዚ ዓይነት ኣገባብ ካብቲ ሕማም ዝሓወዩ ሰባት ነይሮም እዩም። እንተኾነ ውጽኢት መጽናዕቲ ናይ ከምዚ ዓይነት ምንጽጻር ክሳብ ሎሚ ከምዘየለ ኣብቲ መጽናዕቲ ትሳተፍ ዘላ መምህር ሞና ኦልሶን ሓቢራ። እዚ መጽናዕቲ ብሽርክነት ዩኒቨርሲት ስኮና፡ ዩኒቨርሲቲ ሎንድን ኣገልግሎት ሕክምና ስኮናን ዝካየድ ዘሎ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com