Monday , May 20 2024

ጥዕና

ብመሰረት ጸብጻብ፣ ሎሚ ቀዳም ቁጽሪ ግዳያት ክሮና ኣብ ሽወደን 102 ሰባት በጺሑ።

ክሳብ ሎሚ ቀዳም 28/03/2020 ሰዓት 2 ድሕሪ ቀትሪ ብሰንኪ ሕማም ክሮና ቫይረስ ዝሞቱ ቁጽሮም 102 ሰባት ከምዝበጽሐ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ሓቢሩ። ክሳብ ሕጂ ከምዝተረጋገጸ፡ ቁጽሪ ናይቶም ብቫይረስ ክሮና ዝተለኽፉ ሰባት 3447 በጺሑ ኣሎ። ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ጽዑቕ ምክትታል ዝርከቡ ሰባት ድማ ናብ 214 በጺሑ ከምዘሎ እቲ በዓል መዚ ሓቢሩ።

Read More »

News Magazine ዜና መጽሔት 27 መጋቢት 2020

Read More »

መንግስቲ ሽወደን ካብ 50 ሰብ ንላዕሊ ምእካብ ከልኪሉ።

መንግስቲ ሽወደን ብሰንኪ ለበዳ ሕማም ኮሮና ተፈጢሩ ዘሎ ሓድሽ ሃገራዊ ብድሆ ብዝምልከት ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ሕጹጽ ኣኼባ ካብ 50 ሰብ ምእካብ ኩሉኩል ምዃኑ ሓድሽ ዉሳነ ከምዘማሓላለፈ፣ መራሒ መንግስቲ ስቴፋን ሎቨን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ብተወሳኺ ኩሎም ብምኽንያት በዓል ኣፋስጋ መገሻ ዝሓስቡ ሰባት መገሻ ከቁርጹን፣ ህዝቢ ብዕቱብ ንዝዋሃብ ሓበሬታ መምርሕታትን ከተግብር መኺሩ። ኣብ እዝዩ ተኣፋፊ ኩነታት ከምዘለናን፣ ኣብ ሓጺ ግዜ ኩነታት …

Read More »

ቴግኔል ስቶኮልም በይና ተንጺላ ክትውሸብ ኣለዋ ዝብል ርእይቶ ይዕብልል።

ተጸዋዒ ሕማማት ለበዳ መንግስቲ ሽወደን ኣንደርስ ተግነል ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ኲነታት ንሽወደን ምውሻብ ኣድላዪ ስጒምቲ ኣይኰነን ክብል ኔክስፕረሽን ገሊጹ’ሎ። ስቶክሆልን ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ ብዘጋጠመ ሞትን ምልባዕን ጌራ ንሕጂ ምጥማታ ጌጋ እዩ እዚ ምውሻብ ኣሉታዊን ዘየድሊን ሳዕቤናት ክህልዎ እዩ ኢሉ። ፖከቲከኛታት እዚ ምውሻብ ናይ ስቶክሆልም ብኸመይ ክቕጽል ኣለዎ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘተ ተጸሚዶም ምህላዎም፥ እንተኾነ ግና በዓልመዚ ጥዕና ኣብዞም …

Read More »

Swedish News in tigrigna -ዜና ሽወደን ብትግርኛ 27 መጋቢት 2020

ገለ ካብ ናይ ሎሚ ኣርእስታት ዜና፡ 1. መንግስቲ ሽወደን kab 50 ሰብ ንላዕሊ ምእካብ ኩልኩል ምዃኑ ኣፍሊጡ። 2. ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ነጋዶን ወነንቲ ትካላትን፣ ንቤት ጽሕፈት ኣታዊ ግብሪ ኣዕለቕሊቖሞ መደባትና ብሰፊሕ ንምክትታልን ከምኡ እዉን፣ ብዛዕባ ኩነታት ሽወደን ብትግርኛ ንምርካብ ኣብ መርበብ ሓበሬታና www.alkompis.se/ti ተወከሱ። #sverige #alkompis #sweden #Tigrinja

Read More »

ካብ ኣሰገጋድ ውሸባ ወለንታዊ ውሸባ ውጺኢታዊ እዩ ተባሂሉ ።

ካብ ኣስገዳድ ዘለዎ ውሸባ (ምዕጻው) ወለንታዊ ውሸባ(ምዕጻው )ዝያዳ ውጽኢታዊ እዩ ክብሉ ኪላታት ይገልጹ። ጣልይንን ስፔይንን ከምኡ ምግባረንን ፈረንሳን ጀርመንን እውን ከም ዝሰዓባአን ድማ ተገሊጹ። ሰብመዚ ጥዕናን መንግስትን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ብውሕዱ ኣብዚ እዋንዚ ሽወደን ክትዕጾ ከም ዘይግባእ ኣመልኪቶም። ኣብያተ ትምህርቲ፥ ብዙሕ ሳዕቤን ዘይብሎም ንግዳዊ ትካላትን ምዕጻውን ሰባት ኣብ ኣባይቶም ክውሸቡን ዝብል ስጒምቲታት ኣድለይቲ ኣይነበሩን ድማ ኢሎም። ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ቃልሲ …

Read More »

ነበርቲ ስቶክሆልም ብምኽንያት ፋሲኻ ናብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝግበር መገሻታት ከቛርጽዎ ይሕተቱ።

ተቐማጦ ስቶክሆልም በዓል ፋሲካ ንምብዓል ናብ ጎትላንድ፣ኦረ፣ ኦላንድን ካሊኦት ከባብታት ሽወደን እንተ ድኣ መጺኦም፡ ልዕሊ ዓቕሚ ኣገልግሎት ሓለዋ ጥዕና’ዛ ከተማ ዝኾኑ ብዙሓት ብሕማም ክሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ክህልውዎም ስለዝኽእሉ ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብዛ ደሴት ንኽኣትዉ ተቐባልነት ከምዘይብሎም ሓላፊት ጥዕና ጎትላንድ፡ ሜሪ ሉፕ፡ ከምዝሓበረት ተለቪዥን ሽወደን TT ሓቢራ። ብዙሓት ካብ ተቐማጦ ስቶክሆልም በዓል ፋሲካ ንኸሕልፉ ናብቲ ኣብታ ደሴት ዝርከብ ዝውንንዎ ኣባይቲ ከምዝኸዱ …

Read More »

ሽወደን፡ ልዕሊ 50 ሰባት ምትእኽኻብ ትኽልክል።

ናይ ውልቂ ይኹን ማሕበራዊ ጽምብላት ኣብ ዝግበሩ ኣጋጣሚታት ልዕሊ 50 ሰባት ክእከቡ ፍቑድ ከምዘይኮነ መንግስቲ ሽወደን ሎሚ ኣብ ጋዜጥዊ መግለጺ መምርሒ ኣመሓላሊፉ። እዚ መምርሒ ካብ ሰንበት ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን እዩ። ነዚ መምርሒ ዝጥሕሱ ሰባት ክሳብ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ማእሰርቲ ክውሰነሎም ምዃኑ ብተወሳኺ ሓቢሩ። እዚ መንግስታዊ ውሳኔ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ ብመንገዲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ስተፋን ሎቪን፡ ተመሓላሊፉ። ቀዳማይ ሚኒስተር፡ …

Read More »

ካብ ኣደናገርቲ ኮሮና ቫይረስ ተጠንቀቑ

ኮሮናቫይረስ ፍርህን ራዕድን ከስፍን ከሎ፡ ብዙሓት ሰባት ገንዘብ ንምኽዕባት ይጥቀሙሉ ኣለዉ። ገለ፡ ናይ ኣቕሑ ዋጋ የንህሩዎ፡ ገለ ድማ ካብ ክፍሊ ጥዕና ኢና እናበሉ ንኣረጋውያን ይዘምቱዎም ኣለዉ። ስለዚ ከምዚ ዚስዕብ ብምግባር ነብስኻ ሓሉ።  ከም ኮሮናቫይረስ ዝመሰሉ መዓታት ንገሊኡ ጽቡቕ ኪገብር ንገሊኡ ድማ ሕማቕ ኪገብር ይድርኹዎ ኢዮም። ገለን ኪተሓጋገዙ ይረኣዩ፡ ገለን ድማ ነቲ ኩነታት ተጠቒሞም የደናግሩ። ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ገለ ኣረጋውያን በቶም …

Read More »

ኣብ ሽወደን ብዝሒ ብክሮና ቫይረስ ናይ ዝሞቱ ሰባት ናብ 92 በጺሑ።

ብዝሒ ናይቶም ብሰንኪ ሕማም ቫይረስ ክሮና ኣብ ሽወደን ዝሞቱ ሰባት ናብ 92 ክብ ከምዝበለን ብዝሒ ናይቶም ብክሮና ቫይረስ ተለኺፎም ዘለዉ ሰባት 3046 ክኸውን እንከሎ ብዝሒ ናይቶም ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝግበረሎም ዘሎ ሰባት ግን 209 ከምዝበጽሐ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ሓቢሩ። ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ትሕቲ 50 ዓመት ዝዕድሚኡ ሰብ በዚ ሕማም ከምዘይሞተን ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ወይ ሰለስተ ሳምንታት ግን ብዝሒ ናይ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com