Friday , May 17 2024
Photo via AP) XAZ162

CIA: ሩስያ ናይ ኑክሌር መጥቃዕቲ ክትገብር ምዃና ዘርኢ ምልክታት የለን።

ሩስያ፡ ኣብ ዩክሬይን ኣብ እትገብሮ ዘላ ኲናት፡ ኣጽዋራት ኑክሌር ክትጥቀም ብዛዕባ ምዃና ዝኾነ ምልክታት የለን፡ ክብል ኤጀንሲ ስለያ ኣመሪካ CIA ገሊጹ።

“ንሕና፡ ማሕበረኮም ስለያ፡ ሩስያ ኣብ ዩክሬይን ኣብ እትገብሮ ዘላ ኲናት፡ ኣጽዋራት ኑክሌር ክትጥቀም ብዛዕባ ምዃና ዝኾነ ምልክታት ኣይረኸብናን” ክብል ዋና ጸሓፊ እቲ ኤጀንሲ፡ ቢል በርንስ ብ ቐዳም ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ሩስያ ን ዩክሬይን ድሕሪ ምውራራ፡ ኣጋጢምዋ ዘሎ ብድሆታት ንምፍታሕ፡ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ክትጥቀም ትኽእል እያ ክብሉ ገለ ወገናት ስግኣታቶም ክገልጹ ምጽንሖም ዝፍለጥ እዩ። ሩስያ፡ ን ርእሰ ከተማ ዩክሬይን ኪቭ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽራ ንምእታው፡ ተደጋጋሚ ፈተነ እኳ እንተገበረት፡ ከቢድ ክሳራ ወሪድዋ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ዩክሬይን ተሓጺራ ምህላዋ፡ ይዂንምበር እቲ ወራር ሕጂ’ውን ጸዓቱ ከይጎደለ ይቕጽል ምህላዉ ኖርወይ ቱደይ ጸብጺባ’ላ’።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com