Tuesday , May 14 2024

ሃገረ ፊንላንድ፡ ዶባታ ዓጽያ

ሃገረ ፊንላንድ፡ ለበዳ ኮሮና ንምቁጽጻር፡ ካብ ሎሚ ፍርቂ ለይቲ ኣብ ተግባር ዝወዓለ፡ ሓድሽ ሕጊ ከምዘተኣታተወት ገሊጻ። እዚ ሓድሽ ሕጊ፡ ነቶም ካብ ወጻኢ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ሰባት ዝምልከት ኮይኑ፡ ሰብ መዚ ምክትታል ዶባት፡ ብጀካ ንኣገደስቲ ጉዳያት ዝመጹ፡ ንኻልእ ሰብ ክሓልፍ ከምዘየፍቅዱ ሓቢራ። እቶም ንኽኣትዉ ዝተፈቕደሎም ሰባት ውን፡ ኣብቲ ዶብ፡ መርመራ ኮሮና ክገብሩ ክግደዱ ምዃኖም ሃገረ ፊንላንድ ሓቢራ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

እቶም ናብ ፊንላንድ ንኽኣትዉ ዝፍቀደሎም ሰባት፡ እቶም ካብ ሽወደንን ኖርወይን መጺኦም ኣብ ኣገደስቲ ንማሕበራውን ህዝባውን ጽላታት ዝሰርሑን ብህጹጽ ስድራቤታዊ ጉዳያት ዝመጹ ጥራይ ምዃኖም ሰብ መዚ ፊንላንድ ሓቢሮም።

መንግስቲ ፊንላንድ፡ ነዚ ውሳኔ ዝወሰደ፡ ሓድሽ ዓሌት ቫይረስ ኮሮና፡ ናብታ ሃገር ንኸይመሓላለፍ ብዝብል ስግኣት ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ዝርከብ፡ ሃባራንዳ፡ ዝተባህለ ኣከባቢ፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና፡ እናወሰኸ ይመጽእ ብምህላዉ፡ ምስ ሃገረ ሽወደን ዘዳውበና ሸነኽ እቲ ዝዓበየ ብደሆና ኮይኑ ኣሎ ክትብል፡ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት ፊንላንድ፡ ክሪስታ ኪሩ፡ ገሊጻ።

ቀይዲ ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ኣብ ዶባት ፊንላንድ፡ ክሳብ 25 የካቲት ክጸንሕ ምዃኑ ተፈሊጡ።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com