Tuesday , May 14 2024
Indians hold placards protesting against the alleged gang rape and killing (AP Photo/Anupam Nath) AXN103

ህንዲ: ብምድፋር ደቀንስትዮ ዝጥርጠር ሰብ ሞይቱ

ብምድፋር ደቀንስትዮ ዝጥርጠር ወዲ 30 ዓመት መንእሰይ: ኣብ ደቡባዊት ክልል ተላንጋና ኣብ ዝርከብ ኣረጊት መገዲ ባቡር: ሞይቱ ከም እተረኽበ: ፖሊስ ህንዲ ገሊጾም።

እንተኾነ ግና ስድራቤት መዋቲ: ፖሊስ ኮነ ኢሎም ብምቕታል እዮም ነዚ ድራማ ሰሪሖም ብምባል ከሲሶም ኣለዉ። ሬሳ ጓል 6 ዓመት ህጻን ጉረቤት እዚ መንእሰይ ኣብ ቤቱ ከም እተረኽበትን ኣብቲ ሬሳ ድሕሪ እተገብረ መርመራ ምኽንያት ሞት እዛ ህጻን ጾታዉ ዓመጽን ማሕነቕቲን ምዃኑ ምርግጋጹን እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ኣመልኪቱ።

ድሕሪዚ: ተቐማጦ እታ ስቴት: ናብ ጎደና ግልብጥ ኢሉ ብምውጻእ እዛ ህጻን ፍትሒ ክትረክብ ኣለዋ ዝብል ቊጥዐ ዝመልኦ ሰልፊ ተኻዪዱ እዩ። ብዘይካዚ ገለ መንእሰያት ናብ መንበሪ እቲ ጥርጡር ብምእታውን ኣቕሑኡ ቤቱ ምዕናዎምን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ድማ እዚ ሰብ ብሞት ክቕጻዕ ዝጽውዕ ቊጥዐ ክጋዋሕ ምጽንሑን ተፈሊጡ።

ኣብ ህንዲ ዘስካሕክሕ ግፍዕን መቕተልቲን ዝፍጽሙ ሰባት ብፖሊስ ክቕተሉ ንቡር ተርእዮ ምዃኑ ጽብጻባት የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com