Tuesday , May 14 2024

ህጻናት ኣብ ኢንተርነት ዘሕልፉዎ ግዜ ኣሻቓሊ ይኸውን ኣሎ ይብሉ ኪኢላታት።

ኮመንሰንስ ሚድያ ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ውድብ፡ ብመንገዲ ኢንተርነት ቪድዮ ናይ ዝከታተሉ ብዝሒ ህጻናትን ኮተቴን እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ገሊጹ። እቲ ብህጻናት ዝግደስ ዘይመንግስታዊ ውድብ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ብዝሒ ናይቶም ኣብ ዩቲዩብ ቪድዮታት ዝከታተሉ ህጻናት ካብ 2015 ኣትሒዙ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ከምዝወሰኸ ኣፍሊጡ።

በዚ መሰረት፡ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ራብዓይ ደረጃ ሒዙ ዝነበረ ብኢንተርነት ዝግበር ምክትታል ቪድዮ፡ ኣብዚ እዋን ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ ይርከብ። እቲ ብዩቲዩብ ዝዝርጋሕ ቪድዮታት፡ ብዙሕ ቁም ነገር ዘይብሉ’ኳ እንተኾነ፡ ምስ ዕድመ ሰዓብቱ ብዝሳነ ኣገባብ ሰሓቢ ብምዃኑ ግን፡ ብዙሓት ተኸታተልቲ ኢዩ ዘለዎ። እቶም ንዓቕሚ ኣዳም ዝበጽሑ ይኹን እቶም ትሕቲ 13 ዓመት ዝኾኑ ኮተቴ፡ ምስ ዕድመኦም ዘይከይድ ጎነጽ ዝበዝሖ ፊልምታት ይዕዘቡ። እተን ነዚ ቪድዮታት ዘፍሪያ ኩባንያታት ድማ፡ ነቲ ዝዝርገሓኦ ቪድዮ መዕገቲ ክገብራሉ ከምዝግባእ እቲ ዘይመንግስታዊ ውድብ ጸዊዑ። እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ጉዳይ ኣብ ልዕሊ ማሕበራዊ ዕብየት ናይቶም ዝከታተሉዎ መንእሰያት፡ ምስ ካልኦት ዘለዎም ዝምድናን ናብ ገዛእ ርእሶም ዘለዎም ኣጠማምታን ሓደገኛ ሳዕቤን ክህልዎ ኢዩ። ብተወሳኺ፡ እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ቪድዮታት ጥሩፍነትን ናይ ጽልኢ ኣተሓሳስባን ብምምዕባል፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ዕንወት ከምዘኸትል ዘይመንግስታዊ ውድብ “ኮመን ሰንስ ሚድያ” ይጠቅስ። እሞኸ ደኣ ተራ ወለዲ ኣብዚ መዳይ እንታይ ክኸውን ኣለዎ?


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com