Tuesday , May 14 2024
A large explosion has occurred at an apartment building on Övre Husargatan in Annedal in central Gothenburg. Foto: Björn Larsson Rosvall / TT / Kod 9200

ሎቬን፡ ኣብ ዮተቦሪ ዘጋጠመ ሓደጋ ምፍንጃር፡ ንመላእ ሃገር ኣናዊጹ

ኣብ ልዕሊ ሓደ ኣብ ዮተቦሪ ዝርከብ መንበሪ ህንጻ፡ ዘጋጠመ ሓደጋ ምፍንጃር፡ ንመላእ ሃገር ዘናወጸ ፍጻሜ እዩ ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቬን ገሊጽዎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ክሳብ ሕጂ፡ ምኽንያት ናይቲ ምፍንጃር ዝተፈልጠ እኳ እንተዘይኮነ፡ ህዝቢ ግን፡ ጠንቁ ንምፍላጥ ተሃንጥዩ ከምዘሎ፡ ሎቬን፡ ዝርደኦ ምዃኑ ገሊጹ።

ንግዳያት እቲ ሓደጋ፡ ንስድራ ቤቶምን ቀረብቶምን ኮታስ ንኹሎም በቲ ሓደጋ ዝተተንከፉ ሰባት፡ ናይ መጸናንዒ መልእኽቲ ካብ መንግስትን ካብ ውልቀይን ተቐበሉ ክብል ሎቬን ገሊጹ።

ክሳብ ሕጂ፡ ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ዘይምፍላጥና ተስፋ ዘቑርጽ እኳ እንተኾነ፡ ፖሊስ ግን፡ ጠንቂ ንምፍላጥ ይሰርሕ ከምዘሎ፡ ዳምቤሪ፡ ገሊጹ።

ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ምፍንጃር፡ ብውሑዱ 16 ሰባት ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱን፡ እቶም 4 ከቢድ መጉዳእቲ ዝወረዶም ምዃኑ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com