Tuesday , May 14 2024

ሓንቲ ሽውደናዊት ሽማግለ፡ ክትባት ጸረ ኮሮና ንምውሳድ 140 ኪሎሜትር ትጓዓዝ

ጓል 94 ዓመት ሽወደናዊት ሽማግለ፡ ካብን ናብን 140 ኪሎሜትር ብምጉዓዝ፡ ጸረ-ኮሮና ክታበት ዝወሰደትሉ ኩነታት ከም ሓደ ሽግር ከም እተላዕለ ተሌቪዥን ሽወደን ትማሊ ጠቒሳ። ሽግር እዛ ኣስታ ኖርማን ዝስማ ሽማግለ፡ በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ከም ኣርእስቲ ኣልዒሉ ተዛሪብሉ።

ኖርማን ዋላኳ ብስንክልናን ናይ ምርኣይ ጸገምን ትሳቐ እንተኾነት ክታበት ጸረ ኮሮና ንምርካብ ካብቲ ኣብ ሃምላ ዝርከብ  ቤታ  ናብ ልዩስዳል ዘሎ ርሕቀት፡ ከምተጓዕዘት ተገሊጹ።

ጓል 94 ዓመት ምዃነይን ነዚ ዝጻወር ዓቕሚ ከም ዘይብለይን ክርድኡ ይግባኦም እዩ ክትብል፡ ኖርማን፡ ገሊጻ። ብመሰረት ሰብ መዚ ጥዕና ምምሕዳር ያቭለቦሪ፡ ሓደ ካብቲ እዚ ክትባት ኣብ ቤት ክወሃብ ዘይከኣለሉ ምኽንያት፡ ኣብ -700C ክዕቀብ ስለዝግባእ እዩ።

ኣብ ጂኦግራፊያዊ ዝርግሐ ምምሕዳራት ሽወደን፡ ከበድቲ ብደሆታት እኳ እንተሃለወ፡ ነፍሲ ወከፍ ተነቃፊ ኣባል ሕብረተሰብ ዝኾነ ዜጋ፡ ክታባት ንምርካብ ዕድል ክህልዎ እዩ ክትብል ካብ በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ካሪን ወሰል፡ ነቲ ዝተላዕለ ሽግር ብምምልካት መልሲ ሂባ።

ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና፡ ንድሌታት ሰባት መልሲ ዝህብ ክኸውን ይግባእ ዝበለት ሰራሕተኛ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ኤሪን ካርልሰን፡ ሽማግለታት ብግብራዊ ሽግራት ክትባት ከይረኽቡ ክተርፉ ኣይግባእን ድማ ኢላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com