Tuesday , May 14 2024

ሓንቲ ዓለም:ገለ ሓሳባትን ርእይቶን ብዛዕባ ፖለቲካ (Reflexions On Politics)

ኣማኑኤል ሳህለ

ቀዳማይ ክፋል

ፖለቲካ ካብቲ ኣብ ምቍጽጻር ህዝቢ-ከተማ ወይ ኣብ ከተማ (polites, polis) ዚዝውተር ዝነበረ ዓይነት መንግስታዊ ምምሕዳር ዝመንጨወ ቃል እዩ።

መብዛሕትኦም ካብቶም ቀዳሞት ተሳተፍቱ ድማ፡ ሓፋሽ ናይ ከተማ ህዝብን (ባሮትን ናጻ ዝኾኑን) ከም ተገዛእቲ፣ መራሕቲ ውግእን፡ ካህናትን፡ ሰብ ሃብትን ድማ ከም ገዛእቲ እዮም ነይሮም።

ወድሰብ ብዘመናዊ መገዲ ኪመሓደር ዝጀመረ፡ ሕርሻ ምስ ኣተኣታተወን፡ ከተማታት ኪሃንጽን ኣብኡ ኪቕመጥ ምስ ከኣለን እዩ። ኣብዚ መስርሕ እዚ፡ እቲ ገዛኢ፡ ውሽጣዊ ዕላማኡ ከመይ ጌርካ እዩ ዚመሓደር ዘይኮነስ፡ ከመይ ገይረ እየ ስልጣነይ ዘደልድሎን ዘንውሖን ዚብል ኢዩ ነይሩ።

እቲ ኣመሓዳሪ፡ ንሓደ ማሕበረሰብ ንምምሕዳር፡ ጨቊንካ ምሓዙን ምትላሉን ዝያዳ ስልጣን ዘንውሕን ድኻም ዘየድልዮን ከም ዝኾነ ኣይጠፍኦን፡ ስለዚ ድማ ነቲ ኣሚኑ ዚግዛኦ ዝነበረ ህዝቢ ከም ባምቡላ ኪጻወተሉ ግዜ ኣይወሰደሉን። ብተወሳኺ መብዛሕትኡ እቲ መንግስቲ ዘቕውም ዝነበረ ውልቀሰብ ወይ ጉጅለ፡ ኣቐዲሙ ነቲ ህዝቢ ወሪሩ ዝሓዞ ወይ ድማ ናጻ ኣውጻኢኻ እየ ይብሎ ስለ ዝነበረ፡ ወሪርካ ወይ ናጻ ኣውጺእካ ዝሓዝካዮ ህዝቢ ድማ ኣይእንታይካን ስለ ዝኾነ፡ ከይነቕሖ ብምፍራህ ጸቒጡ ኪሕዞ ይግደድ ነበረ።

ብጥንቲ ግን፡ ወድሰብ ብመናፍስቲ ወይ በቲ ኣብ ደገ ከም ጣኦት፡ ኣብ ኣእምሮኡ ድማ ከም ኣምላኻዊ ድራኸ ወይ ሓይሊ ገይሩ ዝቐረጾ ስእሊ (mental construct) ኪምራሕ እዩ ዚደሊ ነይሩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ምሕደራ፡ ካህናትን መሻርኽቶምን፡ ናይቲ ”ኣምላኽ”ተወከልቲ ኮይኖም ይነጥፉ ነይሮም። ከምዚ ዓይነት ምሕደራ ተዮክራሲ እዩ ዚብሃል።

ናብ ኣምላኽ ወይ ናብቲ ናቱ ተምሳል ዝኾነ ጣኦት ዝዘምበለ ናይ ተዮክራሲ ምሕደራ፡ ኣዎንታውን ኣሉታውን ጽልዋታት ነይሩዎ እዩ ። እቲ ”ኣምላኽ” ነቶም ኣምለኽቱ ምስ ዘይእዘዙ ይረግሞምን ኣብ ጭንቀት የእትዎምን፡ ምስ ዚእዘዙ ድማ ይምርቖምን ተስፋ ይህቦምን ብምንባሩ፡ እቲ ህዝቢ ዳርጋ ርጉእ ዝኾነን ፍትሓውን ምሕደራ ነይሩዎ ኪብሃል ይከኣል።

ግን ከኣ ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ ህዝቢ ተኣዚዙ ከብቅዕ መከራ ይወርዶ እሞ፡ ካልኦት ኣማልኽቲ ንምርካብ ሃሰው ኣብ ምባል ይኣቱ፡ ወይ ድማ እተፈላለዩ ጣኦታት ብምውሳኽ፡ ነንሓድሕዱ ይበኣስን ይገራጨውን ይዋጋእን ነይሩ።

ከምዚ ዝበለ ዓይነት ምሕድራ፡ ካብቲ ዚህቦ ጥቕሚ እቲ ጉድኣቱ እናበዝሐ ብምኻዱ፡ እቲ ቀጥታዊ ኣምላኻዊ ምሕደራ ብተዘዋዋሪ በቶም ዓለማውያን መራሕትን በቶም ምስኦም ብምሽራኽ ስልጣኖም ኪዕቅቡ ዚደልዩ ካህናትን ኪቕጽል ክኢሉ።

ይኹንምበር፡ እዚ ሓውሲ-ኣምላኻዊ ምምሕዳር ወይ ሰሚተዮክራሲ እውን ካብቲ ናይ ዓለማዊ ምምሕዳር ብዙሕ ፍልልይ ስለ ዘይነበሮ፡ እቲ ህዝቢ’ውን ኣተሓሳስባኡ እናማዕበለ ብምኻዱ፡ ቀስ እናበለ፡ እቲ ቤተክህነት ካብቲ መንግስቲ እናተፈልየ ከይዱ። ግዝኣተ-ተዮክራሲ እናተዳኸመ ኪኸይድ ከሎ፡ ህዝባዊ ወይ ዓለማዊ (secular)ምምሕዳር ድማ ብኣኡ መጠን እናሓየለ መጺኡ። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ብምምጻእ ደሞክራስን ማሕበራውን ቁጠባውን ተክኖሎጂያውን ምዕባለ፡ እቲ ተዮክራሲ ዚብሃል ዓይነት ምሕደራ ፈጺሙ ኪጠፍእ ክኢሉ።

ኣብቲ ሰላም ዘይብሉ ፖለቲካዊ ጕዕዞ፡ መብዛሕትኡ ሰብ በቲ ኩነታት ምሕደራ ዓለም ዕጉብ ኣይኮነን። ደሞክራሲ ንባዕሉ እናደኸመ ይኸይድ ኣሎ። ኮምዩኒዝም ወዲቑ ተሪፉ፡ ካፒታሊዝ ሚዛን ዘይብሉ ሃብትን ድኽነትን ህውከትን ጥራይ ኣኸቲሉ። ኣብዚ ኩነታት እዚ ንተዮክራሲ ኪመልሱዎ ዚደልዩ ባእታታት ዓለም ላዕልን ታሕትን ካብ ምባል ኣየዕረፉን፡ ግን ተዮክራሲ ናይ ባዕሉ ጸገማት ስለ ዘለዎስ፡ ካብቲ ዘይትፈልጦን ልዕለ-ባህርይን (supernatural) ዘይሕተትን ሓላፍነት ዘይወስድን እምባገነናዊ ሓይሊ ዝመርሓካስ፡ ብዝሓሸ መገዲ እቲ እትፈልጦን ሓላፍነት ዚወስድን ኪግልበጥ ዚኽእልን ሰብኣዊ ሓይሊ ኪመርሓካ ይምረጽ።

ብሓጺሩ፡ ወድሰብ ብመሰረቱ ነቲ መፋጥርቲ ዝኾነ እንስሳዊ ባህርያቱ ከይለወጠ፡ ጥዑይ ፖለቲካዊ ምምሕዳር ከቕውም ኣይክእልን። ፖለቲካ ነቲ ናይ ሰብ እንስሳዊ ባህሪ መሊሱ እዩ ዘበርትዖ።

እንስሳታት ናይ ጫካ ሕጊ ዚብሃል ፍሉይ ናይ ስሰዐን ህርፋንን መምርሒ ኣለዎም፣ ምዝራፍ፡ ምምንጣል፡ ምዕማጽ ወዘተ። ብተመሳሳሊ መገዲ፡ እቲ ፖለቲካዊ እንስሳ ዝኾነ ወድሰብ፡ ስልጣን ንኺሕዝን ንምጽናዕን ልዕሊ ሕጊ ንምዃንን ዘይፍንቅሎ እምኒ የልቦን፡ ሓደ ካብቶም ኣእማን ድማ ሃይማኖት እዩ። ገዛኢ ብሓፈሻ፡ ብዛዕባ ናይቶም ዚገዝኦም ሰባት ስምዒት ይኹን ወይ መነባብሮ ግዲ የብሉን። ግዲ ከም ዘለዎ እንተ ኣርኣየ እውን፡ ንገዛእ ጥቕሙ ኢሉ እዩ። ዘርብሖ ምዃኑ ስለ ዝፈለጠ እዩ።

ወላውን ኣብተን ደሞክራሲ ኣሎ ዚብሃለለን ሃገራት ዓለምና፡ ወላ’ውን እቲ ምምሕዳር ንኹሉ ሰብ ዘሳትፍ እንተ ኾነ፡ ኣብዚ ብፍትወት-ርእሲ (narcissisism)ዝዘቕበበ ዘመን እዚ፡ ኣብ እዋን መረጻታት ዚረአ ባእስን ዕግርግርን፡ ቅጥፈትን ስርቅን፡ ምድንጋርን፡ ምስ ተሰዓርካ ድማ ኣይወርድን ወይ ኣይተሰዓርኩን ምባልን፡ ካብ ናይ ድብያ ውግእ ምንም ዚፈልዮ የብሉን። እዚ ድማ ተረፍ ናይቲ ኣብ ኣእምሮ ሰብ ነዊሕ ሱር ዘለዎ ናይ ስሰዐን ኣበላላዕን እንስሳዊ ባህርይ እዩ።

ብጥንቲ ኣብ ሃገርና፡ ብባህሊ እቲ ከም ሹም ኣሕዋት ዚምረጽ ሰብ፡ ንኸይምረጽ እዩ ዚሰግእ ዝነበረ፡ ከመይሲ ሹመት ከቢድ ምዃኑ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ። ምናልባት ዕድል ኮይኑ ቆጽሊ እንተ ኣንበሩሉ ወይ እንተ መረጹዎኸ እንታይ ይብል ነይሩ መስለኩም? ኣይደልን! ይትረፈኒ! ሓላፍነት ኪኸብደኒ እዩ!! ንኻልእ ሃቡዎ!!

ብኣንጻሩ ግን እቲ ናይ እዚ ዘመን እዚ ፈታው-ርእሱ (narcissist)፡ ንኣይ እንተ ዘይመረጽኩም ሃገር ክትዓኑ እያ! ንዓይ እንተ ዘይኣድመጽኩም ሃገር ክትበርስ እያ! ንኣይ እንተ ዘይኣመንኩም ኣብ ከቢድ ጣዕሳ ክትኣትዉ ኢኹም!! ንኣይ ዘይኣመነ ማይ ከም ዝሓቖነ ወዘተ… ምባል መዝሙሩ እዩ። ምስ መረጽካዮ ድማ ሃገር ንኸዕኑን ከብርስን ነቲ ህዝቢ ድማ ኣብ ከቢድ ጣዕሳ ንኸእትዎን ድሕር ኣይብልን።

ግን ከኣ ካልእ ኣማራጺ ኣሎዶ? ካብ ሕምስምስን ፋሉልነትን ዕግርግርን፡ ካብ ምጥፋእ ጸጥታን ሰላምን፡ ምስቶም ሓረድትኻ ብተዛማዲ ሰላም ምውዓልዶ ይሓይሽ ይኸውን? ከብትስ ምስ ሓራዲአን ይውዕላኮ ተባሂሉ እዩ። መብዛሕትኡ ህዝቢ ድማ ከም ከብቲ ማይና እናሰተና፡ ሳዕርና እናገሃጽና ብሰላም ምንባር ይሕሸና ዚብላ እዩ ዚመስል ዘሎ።

ንግዜኡ ግን ብሓፈሻ ኪረአ ከሎ፡ ካብቶም ኣብ ዘይጭበጥ ነገር ኣሚኖም ዘይጭበጥ ነገር ክትገብር ዚእዝዙኻ ኣብ ሕልምን ኣጉል ሃይማኖትን ዚነብሩ መራሕቲ (delusional, theocratic)፡ ኣብ ጭቡጥ ነገራት ዚኣምኑን እንተ ተኸራኸርካዮም ድማ ብስነሞጎት ኪምልሹልካ ዚፍትኑን ክትግልብጦም እትኽእልን መራሕቲ ኪገዝኡኻ ይምረጽ። ለባም ይቕተለኒኳ ዚብሃል!


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com