Tuesday , May 14 2024

ሓንቲ ዓለም፡ ቆልዑን ወለዶምን (The Art of Parenting)

ብኣማኑኤል ሳህለ

መብዛሕትኦም ቈልዑ ምስ ዓበዩ ፓይሎት፡ ሓኪም፡ መሃንድስ፡ ወትሃደር፡ ወዘተ.. ክንከውን ኢና እንደሊ እዮም ዚብሉ። ንዝኾነ ዚሓቶም ሰብ’ውን ብኸምዚ መልክዕ እዮም ዚምልሹሉ። ምስ ዓበኻ ከመይ ክትከውን (ወይ ብምንታይ ክትዝከር) ትደሊ ተባሂሎም እንተ ዚሕተቱ ግን ኪሓስቡ ምጀመሩ።

እምበኣር ሓደ ቈልዓ፡ መጀመርያ ከጥርዮ ዘለዎ ሞያ፡ ንባህርያት እምበር ንጥበብ ዚምልከት ጥራይ ኪኸውን ኣይግባእን። መጀመርያ ነቲ ኣብ ሕብረተሰብ ብሰላምን ብኽብርን ከንብሮ ዚኽእል ባህርያት ከጥሪ ይግባእ፡ ደሓር ነቲ ዚደልዮ ዓይነት ጥበባት ይመሃሮ ወይ ይዕለሞ። ፓይሎት፡ ሓኪም፡ ጠበቓ ወዘተ. ምዃን ኣብ ጽቡቕን ምዕሩግን ዝኾነ ባህርያት እንተ ዘይተመስሪቱ ዋጋ የብሉን።

ውላድካ ሸለልተኛ ሓኪም፡ ብልሹው መሃንድስ፡ ሓሳድ ነጋዳይ፡ ጉቦኛ ጠበቓ ወዘተ. ኪኾነልካ ትደሊ’ዶ? ገለ ሰባት “እሂ ደኣ፡ ሓንትስ ይመሃረለይ፡ ናብራኡ ድማ ባዕሉ የካይደለይ እምበር ድላዩ ይኹን” ዚብሉ ኣይስኣኑን። እዚ ግን ንሕብረተሰብን ንሃገርን ዘይምሕሳብ እዩ።

ብኻልእ መገዲ’ውን ንውላድካ “ከምዚ ክትከውን ኢኻ፡ ከምዚ ክትፈጥር ኢኻ” እናበልካ ኣብ ውዱእ ኩነታት ከተእትዎ ጽቡቕ ኣይኮነን። ብትእዛዝካን ድልየትካን መሰረት፡ ኣቦይ ጠበቓ ክኸውን እዩ ዚደልየኒ ብምባል ምሉእ ህይወቱ ጠበቓ ኪኸውን ይጽዕር። ግን ጥብቅነት ምስ ባህርያቱ ዘይቃዶ ጥበብ ኮይኑ ይጸንሕ’ሞ ኣብ ኣእምሮኡ ዘይወጽእ ጭንቀት ይፍጠር። እዚ ኣሉታዊ ናይ ኣእምሮ ኩነታት ድማ ነቲ ሞያኡ ይዘርገሉ።

ሓደ መዓልቲ፡ እንታይ ክትኮኑ ትደልዩ ንብሃል ኣብ ዝነበርናሉ እዋን ሓደ ጐረቤትና ግርህ ኢሉ “በዓል ካሮሳ!” ኢሉ። ኩላትና ድማ ስሒቕና። ካብ ኩሉ ዘጕሂ ግን፡ እቲ ዝሓተና ዝነበረ ዓቢ ሓውና’ውን ዓው ኢሉ ስሒቑ። እቲ ቈልዓ ፈዚዙ ተሪፉ። ሓኪም ወይ ፓይሎት ስለ ዘይበለ ኢና ስሒቕና። ከመይሲ ከምኡ እዩ ዚብሃል ዚብል ልምዲ ኣብ ኣእምሮና ሰሪጹ ስለ ዝነበረ። ግን ቈልዓ ነናቱ ትምኒት የብሉን ድዩ? ምስሓቕከ እንታይ የድሊ?

ቈልዑ ከም ነኣሽቱ ኣታኽልቲ እዮም። ከም ሓንቲ ገረብ ድማ ምስ ዓበዩ ፍረኦም ይህቡ። ሓንቲ ተኽሊ ወይኒ ምስ ተኸልካያ፡ ቪኖ ወይ ኩርቫዝየ ክትህበካ ኣይኮንካን እትምነ፣ ጥዕይቲ፡ ድልድልቲ፡ ፈራዪትን ኮይና፡ ጥዑምን ጽቡቕን ፍረታት ክትህበካ ኢኻ እትምነ። ቈልዓ ኸኣ ከምኡ እዩ፣ ውላድካ ፍትሐኛን ሕያዋይን ኮይኑ ኪዓብየልካ ምትምናይ ቀዳምነት ኪወሃቦ ይግባእ።

ኣብ ጃፓን፡ ኣብ ማሕበራውን ቁጠባውን ናብራ ዓቢ ውድድር ስለ ዘሎ፡ ቈልዑ ከይተረፉ ነፍሰ-ቅትለት የካይዱ እዮም ኪብሃል ንሰምዕ። ኣነ’ዶ ካብ እከለ ሰኒፈ.፡ ንሱ ብመንፍዓቱ ኣብዛ ኩባንያ ቀዲሙኒ እንተ ኣትዩ ሞት ይሕሸኒ. ወዘተ.

ወለዲ ኪርድኡዎ ዘለዎም ሓደ ነጥቢ ኣሎ። መጀመርያ ኩሉ ቈልዓ ነናቱ ድጉል ዓቕሚ ኣለዎ። ፈቲና ጸሊእና ሓደ ጸራቢ ኪኽውን’ዩ፡ ሓደ ሓኪም ኪኸውን’ዩ፡ ሓደ ኸኣ መካኒኮ ኪኸውን’ዩ። ኩሉ ሰብ ጠበቓ ኪኸውን ኣይክእልን። ኩሉ’ውን ሓኪም ኪኸውን ኣይክእልን።

ሓደ ሓረስታይ ብዙሕ ዓይነት ዘርኢ ይዘርእ። ብልቱግ፡ ማሸላ፡ ዕፉን፡ ወዘተ.። ግን ድሕሪ ክልተ ወይ ሰለስተ ወርሒ፡ ኣራንችን፡ ሜለን፡ ባናናን  ኣይጽበን። ትጽቢቱስ እቲ ዘሪኡዎ ዘሎ ብጽቡቕ ኪበቝለሉን ኪዓብየሉን ኪፈርየሉን እዩ። ስርሑ ድማ ምዅስኳስን ምጽህያይን ምክንኻንን ጥራይ እዩ።

ቈልዑ ካባና ፍቕርን ሓልዮትን ምኽርን (ንቕኑዕ መገዲ) ጥራይ እዮም ዚደልዩ። ምውቃዕ፡ ምፍርራህ፡ ምጽራፍ፡ ምድሃል፡ ኣብ ቈልዑ ዚፍጸም ዓቢ ገበን እዩ። ኣብ ህይወቶም’ውን ዘይሕከኽ ኣሉታዊ ስምብራት እዩ ዚገድፈሎም። ኣብቲ ማሕበራውን ቍጠባውን ህይወቶም ድማ ብእተፈላለየ መገዲ ኪሃስዮም ይኽእል።

ናይ ወላዲ ልግሚ ዘይብሉን ልባውን ምዅኳስ ነቲ ጸራቢ ኪኸውን ዘለዎ፡ ወሓለ ጸራቢ፣ ነቲ ሓኪም ኪኸውን ዝነበሮ፡ ክኢላ ሓኪም፣ ነቲ ዝንባለኡ ኣብ ደርፊ ዝነበረ ድማ፡ ህቡብ ደራፋይ ከም ዚኸውን ይገብሮ።

ነቲ ዝንባለኡ ጸራቢ ዝነበረ፡ ገኒሕካን ኣፈራሪህካን ሓኪም ኪኾነልካ ምጽዓር ግን፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ፡ ኣብቲ ቈልዓ ጭንቀትን ዘየድሊ ባህርያት ከም ዘጥርይ ምግባር እዩ።

“ወደይ ኣንበሳ እዩ፡ ዋዛ የብሉን፡ ኪድ ቀጥቂጥካዮ ምጻእ፡ በላ ነዛ ምንኣስካ ሓፍትኻ ከይትደፍረካ! ወዘተ.” ዚብሉ ወለዲ ብዙሓት እዮም። ብኣንጻሩ ግን፡ እቶም “ኪድ ነቲ ዝረኸብካዮ ገንዘብ ናብ ዋንኡ ምለሶ፡ ንሓውኻ ይቕረ በለሉ፡ ንዓባይ ሓፍትኻ ተኣዘዛ፡ ተኻፊልካ ብላዕ፡ ዘይናትካ ኣይጠቕመካን እዩ ወዘተ” ዚብሉ ኣዚዮም ውሑዳት እዮም። ዕላማ መብዛሕትኡ ወላዲ፡ ውላዱ ካብ ኩሉ በሊጹ፡ ዝገበረ ገይሩ (ወላ ንኻልኦት ጨፍሊቑን ጐዛዚዩን) ኣብዛ ዓለም ተዓዊቱ ኪሓልፈሉ ኣብ ዚብል ራእይ እተመርኰሰ እዩ። ብሓቂ፡ ነዛ ዓለም ከም ናይ ነንሓድሕዶም ዚበላልዑ ኣኽላባት ቦታ ጌርካ ምውሳዳ ዘጕህን ዘሕዝንን እዩ።

ኣብ ነንሓድሕዶም ዚበላልዑ ሰባት ዚነብሩላ ዓለም ንኣምን እንተ ዄንና ደኣ ስለምንታይ ኢና ተመሊስና ዓለም ጨካን፡ ዓለም ጠላም፡ ዓለም ትሽዓተ እናበልና እነዕዘምዝም? ነታ ጨካንን ጠላሚትን ዓለም ባዕልና’ዶ ኣይኮንናን እንፈጥራ ዘሎና?

ነቶም ናብዛ ዓለም እነሳግሮም ህጻናት ድማ ግድን ጨካናትን ጠላማትን ጌርና ከነዕብዮም ክንግደድ ኢና። መታን ኣብኣ ኪዕንብቡን ኪሰፍኑን። እዚ ግን ጽቡቕ ኣይኮነን።

ስለዚ መጀመርያ በቶም እንወልዶም ደቅና ጌርና ጥዕይቲ ዓለም ንምፍጣር ክንፍትን ይግባእ። ብድሕረኡ ነቶም ብተኸታታሊ ዚመጹ ወለዶታት (ደቅደቅና) ናብ ሓንቲ ጥዕይትን ሰላም ዝመልኣን ዓለም ክንልእኮም ከሎና፡ ጽቡቕን ጥዑይን ፍርያት ወይ ውጽኢት ከም ዘምጽኡን ንኹሉ ሰብ ዘርብሕ ምዕባለ ድማ ከም ዚፈጥሩን ኣይንጠራጠርን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com