Tuesday , May 14 2024

ሓንቲ ዓለም: ገለ ሓሳባትን ርእይቶን ብዛዕባ ፖለቲካ (Reflexions On Politics: 2)

ኣማኑኤል ሳህለ

2ይ ክፋል

መብዛሕትአን ኣፍሪቃውያን ሃገራት ጌና ካብቲ ቀቢላውን ኣውራጃውን ማሕበራዊ ደረጃ ዝወጻ ኣይመስላን። ዳርጋ 60 ዓመታት ድሕሪ ናጽነት፡ ክሳዕ ሎሚ ህዝበን ብሃይማኖታውን ቀቢላውን ኣውራጃውን ኣተሓሳስባን ዝንባለን ተኻፋፊሉ መጻወቲ ባዕዳውያንን ዳግመ-ገዛእትን፡ መጻወቲ ናይ ገዛእ ርእሱ መራሕትን ብምዃን ይሳቐ ኣሎ።

ሽሕኳ ኣብ ኩሉ ዓለም፡ ፖለቲካ ኪብሃል ከሎ ናይ ስልጣን ቍርቍስ ምርኢት እንተ ኾነ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ግን እቲ ናይ ስልጣን ቍርቍስ ኣብቶም ፖለቲከኛታት ተሓጺሩ ክንዲ ዚተርፍ፡ እተን እተፈላለያ ቀቢላታት’ውን ኣብቲ ቍርቍስ ወሳኒ ተራ ኣለወን።

ሽሕኳ እቲ ቍርቍስ ኣብ ፖለቲካ ኩሉ ግዜ ህሉው እንተ ኾነ፡ ኣተገባብራኡ ግን ይፈላለ እዩ። እቲ ዝበለጸን ኣድማዕን ቍርቍስ ግን እቲ ኣብ ሰደቓ ኮፍ ኢልካ ዚግበር ቍርቍስ እዩ። ኣብዚ ደረጃዚ ንምብጻሕ ብብዙሕ ጸገማትን መከራን ክትሓልፍ ንቡር እዩ። ኣብተን ብደሞክራሲ ዝማዕብላ ሃገራት ዚካየድ ናይ ፖለቲካ ቍርቍስ ካብቲ ናይ መብዛሕትአን ሃገራት ሳልሳይ ዓለም ዚፈልዮ ነገር እንተሎ፡ እቲ ሓደ ኣብ ጫካን ኣብ ሜዳን ብጠያይትን ብቦምቢን፡ እቲ ካልእ ድማ ኣብ ሰደቓ ብዘረባን ብዘተን ብምክያዱ እዩ።

ይኹንምበር፡ ኣብ ክልቲኡ ተንኮላትን እከይን ኣሎ፣ ግን እቲ ካልኣይ ኣብ ሞትን ስቓይን ዘይሽምም ብምዃኑ፡ ካብቲ ቀዳማይ ይምረጽ። ኣብቲ ቀዳማይ እተማዕብሎ ነገር የልቦን፡ ኣብቲ ካልኣይ ግን ክትመሃርን ክትመዓዓድን ሓሳባትካ ከተቕርብን ትኽእል። ኲናት፡ ትርፊ የብሉን፡ ብዘይካ ሞትን ዕንወትን። ክትዕን መጎተን ግን የብልሓካን የማዕብለካን ስለ ዝኾነ፡ ኣማራጺ የብሉን።

ኣናብስ ኣብቲ ኣንበሳዊ ሕብረተሰብ ኮይኖም ደረጃኦም ንኸጣናኽርሩን ጥጡሕ ማሕበራዊ ቦታ ንኺሕዙን ሑሕ ሑሕ ይበሃሃሉ። ኣብ መንጎኦም ድማ ገለ ስልጣኖም ከይግፈፎም ዝርዕዱ ነኣሽቱ ሽደናት ኣራእሶም ብምልዓል ’ቱታ ቱታ’ ይብሉ። ባእስን ዕግርግርን፡ ምንኽኻስን ምጕያይን፡ ምፍሕጣርን ይስዕብ። ደሓር ግን ጽንሕ ኢሉ እቲ ሑሕታን ጉዝማን ደው ይብል። ንጉስ ወይን ብናይ ሰብ ኣዘራርባ፡ ዲክታቶር፡ ተፈጢሩ ማለት እዩ። ሰላም ሰፊኑ። ግን ናይ ’መቓብር’ እምበር ናይ ህይወታውያን ሰላምሲ ኣይኮነን።

ወድሰብ ብብዙሕ መገዲ ካብ እንስሳ ዚፍለ ኣይኮነን። ሽሕኳ ኣእምሮ እንተ ተዓደሎ፡ እቲ ውሽጣዊ እንስሳዊ ደመባህርህዩ ግን ገና ኣይተጋደፎን። ሓደ ሳየንሳዊ (ሳየንቲስት) ከም ዝበሎ፡ ዘመናዊ ወድሰብ ኣብ ስልጡን ከተማታት ይነብር እኳ እንተ ሃለወ፡ እቲ ውሽጣዊ ድራኸኡ ግን ከምቲ ናይቶም ኣብ ዘመን እኒ-እኒ ሕምባሻ ከሎ እምኒ ኣብ በዓቲ ዝነብሩ ዝነበሩ ኣቦታቱ እዩ።

ዘይሩ ዘይሩ ግን ኣብቲ ሰብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ድማ ጭቆና ኣሎ። ካብ ዲክታቶራዊ ስርዓት ጀሚሩ ክሳዕ ደሞክራስያዊ ስርዓት፡ እቲ ጭቆና ብገለ መገዲ ብጭቕ ምባሉስ ኣይተርፎን እዩ። ከምዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ እቲ ናይ ወድሰብ ናይ ምጭፍላቕን ምዕብላልን ባህርይ፡ ነባርን ዘይልወጥን ብምዃኑ እዩ። ኣሉታዊ ባህርይ ሰብ ይድጎል እምበር ፈጺሙ ኣይጠፍእን፡ ይቕህም እምበር ፈጺሙ ኣይመውትን እዩ።

ኣብዚ ኩነታት’ዚ፡ ማለት ኣብቲ ሰብ ኪጻወሮ ዘይክእል ናይ ጭቆና ኩነታት፡ ገለ ጉጅለታት ካብቲ ህዝቢ ተፈልዮም ’ ’ንዑ ሰዓቡና ናጻ ከነውጽኣኩም ኢና’’ ኪብሉ ይጽምዑ። ብዙሕ ሰብ ድማ ይስዕቦም።

ንምዃኑ፡ ካብ ምንታይ እዮምከ ናጻ ዘውጽኡ? ካብ ጨቆንቲ ዲዩስ ወይስ ካብ ጭቆና? ካብ ጨቆንቲ እንተ ኾይኑ፡ ጭቆና ንበይኑ ዚነብር ናይ ሰብ እንስሳዊ ባህርይ ብምዃኑ፡ ባዕላቶም እውን ከም ሰብ መጠን ጨቆንቲ ካብ ምዃን ናጻ ኪኾኑ ኣይክእሉን። ኣብቲ ደሞም ስለ ዘሎ።

ባርያስ ኣብዛ ዓለም ካብ ኩሉ እንታይ ደስ ይብለካ ኢሉ ምስ ተሓተተ፡ ናጻ ምስ ወጻእኩ ናይ ባዕለይ ባርያ ኪህልወኒ እየ ዝደሊ ኢሉ ይብሃል። ከምዚ ኢሉ ምዝራቡ ድማ፡ ጽልኡ ምስቲ ጨቋኒ ደኣምበር ምስቲ ጭቆና ከም ዘይኮነ የረጋግጸልካ።

ስለዚ ንርእሱ ናጻ ወይ ሓራ ዘይወጸ ሰብ፡ ናጻ ወይ ሓራ ከውጽኣካ ኣይክእልን። ሰብ ካብ ናይ ካልእ ሰብ ጭቆና ናጻ ከውጻኣካ ይኽእል ይኸውን፡ ካብቲ ናቱ ጭቆናኸ ናጻ ከውጽኣካ ይኽእልዶ?

ሰብ ካብ ካልእ ሰብ ብምንታይ ይፍለ? ብመሰረቱ እቲ ናጻ ከውጽኣካ ዝብለካ ዘሎ ሰብ ወይ ውድብ ንርእሱ ካብ ናይ ስልጣን ህርፋን ናጻ ዲዩ? ኣብ ኣእምሮኡኸ እቲ ንስልጣንን ጭቆናን ዚፈላሊ መጋረጃ ኣሎ ድዩ?

ኣብዚ ግዜዚ መትከልን ግብርን ናይቶም መውጻእቲ ሓራ ኢና ዚብሉ ተቓለስትን ምንቅስቓሶምን መራሕቶምን ኣበየናይ ደረጃ ተሸሚሙ ከም ዘሎ ንኹሉ ብሩህ እዩ። ኣብ ነብሶም ዘየለ ሓርነት ኣብ ካልእ ሰብ ከስፍኑዎ ኣይክእሉን። መዓር ዚጥዕም ቃላቶም፡ ውሽጡ መርዚ እዩ። መልሓሶም ከም ናይ ተመን ጨዳድ እዩ። ሸፈጥን እከይን መጋበሪ ፖለቲኮኦም እዩ። ልቢ ሰብ ምስላብ ይኽእሉ። ነቲ ዝኣመኖም ሒዞም ድማ ናብ ገደል ይኣትዉ።

ስለዚ፡ ነቲ ኣብ ነብሶም ዘየለ ጽሩይ ልብን ጽሩይ ኣእምሮን ኣብቲ ህዝቢ ከንጸባርቑዎን ከተግብሩዎም ኣይክእሉን። ካብቲ ጨቋኒ ደኣዮም ሓራ ዘውጽኡኻ እምበር ካብቲ ጭቆና ሓራ ከውጽኡኻስ ብምንም መገዲ ኣይክእሉን።

ጨቋኒ ብጥይትን ብቦምቢን ብታንኪን ኪሃድም ወይ ኪስጎጕ ይኽእል እዩ። ጭቆና ግን ብጥይት ኣይጠፍእ፡ ብቦምብ ኣይስንብድ፡ ብታንክ ኣይሃድም። በዚ ምኽንያትዚ ኸኣዩ መብዛሕትኦም መውጻእቲ ሓራ ኢና ዚብሉ፡ ጭቆናን ብርሰትን ዕንወትን ገዲፎምልካ ዝኸዱ።

ሓራ ዘውጽኣካስ ትምህርትን፡ ማሕብራዊ ፖለቲካዊ ንቕሓትን እዩ። ነቲ ንኽትነቅሕን ንኽትፈልጥን ዚኽልክለካ ሓይሊ ክትምክቶ ዝሓሸ እዩ። ሰኣን ኣብ እዋኑ ተንሲእካ ብውልቅን ብጉጅለን ብማሕበርን ብምክርኻርን ምምካትን ግን፡ ግዜ ምስ ነውሐ መውጻእቲ ሓራ ይፍጠሩሞ፡ ድሕሪ ነዊሕ ስቓይን መከራን ’’ ናጻ’’ የውጽኡኻ፡ ነቲ ዝላደኻሉን ኣካላትካ ዘማሰነን ጭቆና ብሓድሽ መገድን ቅድን ገይሮም ድማ ዳግማይ የቕርቡልካ። ካልኣይ ግዜዶ ክንዛረብ ኴንና ብምባል ድማ ነቲ ብሓድሽ ቅዲ ተሰፍዩ ዝመጸካ ናይ ስቓይን ጭቆናን ካባ ወይ መንጠሊና ለቢስካ ስቕ ኢልካ ትነብር።

ክሳዕ ካልኦት ተመሳሰልቲ ሰብ ተራ ተላዒሎም ’’ናጻ’’ ከውጽኡኻ ዚፍትኑ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com