Wednesday , May 15 2024

ሓደስቲ መጻእተኛታት ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ከተማ ሶልና ተቓውሞ ከካይዱ እዮም።

ብርክት ዝበሉ ብኢመግረሽን ናብ ምምሕዳር ሶልና ዝተመደቡ ሓደስቲ መጻእተኛታት ናይታ ኣብ ሰሜናዊ ሽወደን እትርከብ ምምሕዳር ከተማ ሶልና ብሰኑይ ኣብ ቅድሚ ህንጻ እቲ ምምሕዳር ናይ ተቓውሞ ምትእኽኻብ ክገብሩ ምዃኖም ገሊጾም ኣለዉ። ንሳቶም ገለ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ጠበቓታትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ብዛዕባ “ሕማቕ” ዝበልዎ ኲነታት ኣባይቲ ናይ ተቓውሞ ድምጾም ከስምዑ እዮም።

ኣብዚ ጒጅለ ዘለዉ ኣክቲቭስታት ከም ዝገለጽዎ ምብቃዕ ውዕል መንበሪ ኣባይቲ ብዘይ ምቕራብ ኣማራጺ መንበሪ( ኣብ ውሽጢ ወይ ወጻኢ ስቶክሆልም) ይካየድ ብምህላዉ ተቓውሞኦም ክስማዕ ክእከቡ ምዃኖም ሓቢሮም ኣለዉ። እዚ ሕጂ ዘለዉዎ ኣባይቲ ቅዝዩ ጸቢብን ምስ ብዝሒ ስድራ ነበርቱን ደረጃ መነባብሮ ሽወደን ፈጺሙ ዘይከይድን ምዃኑ ኣመልኪቲም ኣለዉ። ኣብዚ ዝገብርዎ ናይ ድምጽና ይሰማዕ ተቓውሞ እዚ ናይ ውዕል ምብቃዕ ኲነታት ክስረዝ፡ ዝተመሓየሸ ወይ ካልእ ኣማራጺ መንበሪ ክናደየሎምን ሓድሽ ውዕል መንበሪ ክኽትሙን ዝብል ጠለባት ክቕርቡ እዮም ተባሂሉ’ሎ።

ክሳብ 2016 ብርክት ዝበላ ምምሕዳራት ከተማ ሽወደን መንበሪ ኣባይቲ የብልናን ብዝብል ምስምስ ስደተኛታት ክቕበላ ይማትኣ ምንባረን፥ ጸኒሐን ግና ብመሰረት ውሳነ መንግስቲ ዝተተመነለን ብጽሒት ክወስዳ ምስምምዐን ዝዝከር እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com