Tuesday , May 14 2024

ሓድሽ ቅጥዒ መገሻ፡ ነቶም ናብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝኣትዉ ሰባት

እቶም ካብ ካልኦት ሃገራት ናብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝኣትዉ ዜጋታት፡ ኣብ ልዕሊ ቅጥዕታት መእተዊ ቪዛ ምምልኦም፡ ካብ 72 ሰዓታት ዘይበዝሕ ዕድመ ዘለዎ ውጽኢት መርመራ ኮሮና ዝሕብር ምስክር ወረቐት ኣማሊኦም ክመጹ ከምዝግደዱ፡ ኮሚሺን ኤውሮጳዊ ሕብረት ሎሚ ሓቢሩ። ዜጋታት ወይ ድማ ቀወምቲ ነበርቲ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረትን ንዝኾኑ ግን ኣብ ዝኣትውሉ እዋን መርመራ ንኽገብሩ ዕድል ክወሃቦም ምዃኑ እቲ ኮሚሺን ብምውሳኽ ከምዝሓበረ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ኮሚሽን ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ነተን ሽወደን ተርከበን ብከቢድ ለበዳ ኮሮና ዝተጠቕዓ ሃገራት፡ ድሙቕ ቀይሕ ሕብሪ፡ ምልክት ክገብረለን ምዃኑ ገሊጹ። እዘን ሃገራት፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሳምንታት፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 100 ሽሕ ልዕሊ 500 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ዝልከፉ፡ ዘለወን እየን። በዚ መሰረት፡ ሽወደን፡ ፖርቱጋል፡ ስሎቫክያ፡ ኣየርላንድ፡ ሊትዌንያ፡ ስሎቬንያ፡ ላትቭያ፡ ኤስቶንያ፡ ሳይፕረስን ማልታን እተን

ብድሙቕ ቀይሕ ሕብሪ ምልክት ዝተገብረለን ሃገራት ኮይነን ምህላወን እቲ ኮሚሽን ኣፍሊጡ።

ብዘይካ ፊንላንድን ግሪኽን፡ እተን ዝተረፋ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ብቀይሕ ሕብሪ ምልክት ተገይሩለን ኣሎ። እዚ ማለት ድማ፡ ኣብዘን ሃገራት’ዚኣተን፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ኣሎ፡ ማለት ምዃኑ እቲ ኮሚሽን ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ኣብ ሽወደን፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሳምንታት፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና፡ ካብ 100 ሽሕ ሰባት 669 ሰባት ምልካፎም ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com