Wednesday , May 15 2024
Credit: Leif R Jansson / TT

ሓገዝ ኣታዊ እናተገብረሎም ዝናበሩ ብቚጽሪ እናጎደሉ መጺኦም።

ክብሪ መነባብሮ እኳ እንተተኸስተ፡ ናይ ኣታዊ ሓገዝ እናተገብረሎም ዝናበሩ ሰባት ግና ብቚጽሪ እናጎደሉ ምምጽኦም ተገሊጹ። እዚ ቊጽሪ፡ ብፍላይ ኣብ ዝሓላፋ 18 ኣዋርሕ ምስ ዝነበረ ኣሃዝ እንክወዳዳር፡ ገዚፍ ምጒዳል ኣርእዩ’ሎ—ብመሰረት ቦርድ ጥዕናን ሰብኣዊ ድሕነትን ሽወደን። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ኣብ 2015 ንሽወደን ዝኣተዉ ስደተኛታት፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ርእሶም ክኢሎም ምህላዎም እዩ ክብል፡ ፕሮፌሰር ማሕበራዊ ጒዳያት (ሶሻል ወርክስ) ቶፒዮ ሳሎነን ይገልጽ።

ይዂንምበር ሽቕለት ኣልቦነት ምስ ዝልዕል፡ ዝያዳ ሰባት ሓገዝ ኣታዊ ክሓቱ ከም ዝኽእሉ፡ ምምሕዳራት ከተማን ዞባታትን ሽወደን ኣጠንቂቐን ኣለዋ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com