Tuesday , May 14 2024

ሕቶኦም ዝተነጽገ ሓተትቲ ዕቚባ ካብ ምምሕዳራት ከተማ ሓገዝ ከምዘረኸቡ ገሊጾም!!

ዳይረክተር ስርሒታት ኤጀንሲ ኢሚግሬሽን ቲየሪ ቶርቪክ ምስጓጒ ከምዚኦም ዝበሉ ጒዳያት ኣዝዩ ዝወሓደ ምንባሩ ጠቒሱሎ። ብመሰረት ንሱ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብ መላእ እታ ሃገር ነቶም ናይ ዕቚባ መሰል እተዋህቡ ናይ ምውህሃደ ፕሮጀክቲታት ኣብ ምፍጻም ይርከቡ ኣለዉ።

ኣብዚ ዓመት ንዕቚባ ካብ ዘመልከቱ 3400 ሰባት ናይ መንበሪ ፍቓድ ክወሃቦም እንከሎ እቶም 6000 ግና ከም እተነጽጉን ናብ ዓዶም ክምለሱ ምዃኖምን ኣመልኪቱ። እንተኾነ እቶም ዝተነጽጉ ሰባት ካብተን ዝነብሩለን ምምሕድራት ሓገዝ ከምዝተነፍጎምን ናብ ዓዶም ንኽከዱ ተባሂሉ ጸቕጢ ከምዝበጽሖም ገሊጹ። ዓብድ ዝተባህለ ዝተሰጐ ኣፍጋኒስታናዊ ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብ ግዜ ምስጓጒን ድሕሪኡን ባህ ዘይብል ኣታሕዛ ከም ዝረኣየ ጠቒሱ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com