Tuesday , May 14 2024
A record number of people were found to be infected with COVID-19 in Västra Götaland during week three. (AP Photo/Andre Penner) XAP106

መምርሒታት ኮቪድ፡ ተፋዂሶም

በዓል መዚ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን፡ ብዛዕባ ሓደ ኣባል ስድራ ቤት፡ ብቫይረስ ኮሮና እንተድኣ ተለኺፉ፡ እቶም ምስኡ ዝቕመጡ ኣባላት ስድራ ቤት ኣብ ውሸባ ዝጸንሓሉ እዋን ኣመልኪቱ፡ ሓድሽ መምርሒ ኣመሓላሊፉ ኣሎ። እቲ ናይ ውሸባ ግዜ ካብ ዝስረሓሉ ዝነበረ ሸውዓተ መዓልታት፡ ናብ ሓሙሽተ መዓልታት ከምዝጎደለን እዚ ግን፡ ካብቶም ኣባላት ስድራ ቤት፡ ዝኾነ ምልክታት ሕማም ኮቪድ ምስ ዘየርእዩ ጥራይ ከም ዝኾነ፡ እቲ በዓል መዚ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ካብቶም ኣባላት ስድራ ቤት፡ ኣብ ኣገደስቲ ማሕበራውያን ትካላት ዝሰርሑ ኮይኖም፡ እንተድኣ ምልክታት ሕማም ኮቪድ ዘይብሎምን ሳልሳይ ብልቃጥ ክታበት ዝወሰዱ፡ ወይ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ፡ ብሕማም ኮቪድ ተጠቒዖም ዝነበሩ ኮይኖም፡ ናይ ውሸባ ግዜ ዘይምልከቶም ኮይኑ፡ ናብ ስራሕ ይኹን ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸዱ ከምዝኽእሉ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com